1. ኣቱም ተጻረርቲ ደቂወይለኹምይብል እግዚኣብሄርምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው አሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን።

2. ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ አሎኹም፡ ግናኸ ንኣፈይ ኣይሐተትኩምን

3. ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ኪኸውን እዩ።

4. መሳፍንቱ ኣብ ጾኣን ኣለው፡ ልኡኻቱውን ናብ ሃኔስ በጽሑ እሞ፡

5. በቲ ነውርን ሕፍረትን እምበር፡ ገለ እኳ ዘይጠቕሞምረዲኤትን ጥቕምን ከኣ ዜብሉ ህዝቢ ኲላቶም ኪሐፍሩ እዮም።

6. ጾር ብዛዕባ ኣራዊት ደቡብ። በታ ዋዕሮን ሓየትን መንደልቶን ዚነፍር ገበልን ብምድሪ ጸበባን ምዕሉባጥን ኣቢሎም፡ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ጸዕብ፡ ንዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጒዳ ኣግማል ጽዒኖም፡ ንገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ የምጽኡሉ።

7. ግብጺ ብኸንቱ ብብላሽ እያ እትረድእ እሞ፡ ስለዚ ንእኣ፡ ረሃብ ስቕ ኢላ እትቕመጥ፡ ኢለ ሰሜኽዋ

8. እምበኣርሲ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ሐንጽጾንዚመጽእ ጊዜን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ኪነብርሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ

9. ዓለወኛ ህዝቢሓሰውቲ ውሉድንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዚአብዩ ውሉድ እዮም እሞ፡

10. ነቶም ረኣይቲኣይትርኣዩንነብያት ከኣ፡ ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዪልናዜሐጒስ ደኣ ንገሩናጥበራውን ተነበዪልና

11. ካብ ጐደና ኣግልሱ፡ ካብ መገዲ ዝበሉ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ፡ ይብሉ።

12. ስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወኪልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡

13. ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኺወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዚፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ኪዀነኩም እዩ፡

14. ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዚሰባበርኪሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዚጽሐሮ፡ ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዚቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ኪሰባበር እዩ።

15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ አሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም

16. ንስኻትኩምውን፡ ኣይፋልናን፡ በፍራስ ደኣ ንሀድም፡ - ስለዚ ኽትሀድሙ ኢኹም፡ - ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ከኣ ክንቅመጥ ኢና፡ በልኩም። ስለዚ እቶም ዚሰጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም።

17. ብምፍርራህ ሓደ ሰብኣይ ካባኻትኩም ሽሕ ኪሀድሙ እዮም፡ ከም ጒንዲ ኣብ ርእሲ ኸረን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማውን ኣብ ኲርባ ኽሳዕ እትተርፉ፡ ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሀድሙ ኢኹም።

18. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄርጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።

19. እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን ኣብ የሩሳሌም ኪነብር እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ኣይክትበክን ኢኻ፡ ምስ እተእዊ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካ እዩ፡ ኪሰምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካ እዩ።

20. እግዚኣብሄርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ኪህበኩም እዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ እየን እምበር፡ ደጊምሲ መምህራንካ ኣይኪስወሩን እዮም።

21. ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩምኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።

22. ነቲ ናይ ቅርጺ ምስልታትካ ተለቢጥዎ ዘሎ ብሩርን፡ ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትካ ተጠሊቕዎ ዘሎ ወርቅን ከተርክሶን ከም ርኹስ ነገር ክትጒሕፎን፡ ወጊድ ካብዚ ውጻእክትብሎን ኢኻ።

23. ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህብ፡ ካብቲ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ጥዑምን ኣኽልታርፍን ኪኸውን እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ማልካ ኣብ ርሒብ ሸኻታት ኪጓሰያ እየን።

24. እቶም ንምድሪ ዚሐርሱ ኣብዑርን ጻዕባትን ከኣ ብመስኤን ብሰፍእን ዝጸረየ ጨው ዝጥዕም ድርቋ ኺበልዑ እዮም።

25. በታ ግምብታት ዚወድቁላ ዓባይ መዓልቲ ቕትለት ከኣ ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ በረኽቲ ዂድዂዶታትን ርባታትን ወሓይዝትን ኪኸውን እዩ።

26. በታ እግዚኣብሄር ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዘንላ፡ ንቚስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላ መዓልቲ ኸኣ እቲ ብርሃን ወርሒ ኸም ብርሃን ጻሓይ ኪኸውን፡ ብርሃን ጸሓይ ድማ ሾብዓተ ዕጽፊ ኸም ብርሃን ሾብዓተ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።

27. እንሆ፡ ስም እግዚኣብሄር ብርሱን ቊጥዓኡን ብዚዕልስ ትክን ካብ ርሑቕ ይመጽእ አሎ፡ ከናፍሩ ብዂራ ምሉእልሳኑውን ከም ዚባላዕ ሓዊ እዩ።

28. ነህዛብ ብምሔ ኸንቱነት ኪሔሕዮም፡ ንምንጋጋ ህዝብታት ከኣ ብዜጋጊ ልጓም ምእንቲ ኺለጒምሲትንፋሱ ኸምቲ ኽሳዕ ክሳድ ዚበጽሕ ደምሳሲ ውሒዝ እዩ።

29. ከምታ ቅዱስ በዓል ዚበዐለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም፡ ከምቲ ናይ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኸውሒ እስራኤል፡ ብቓና እምብልታ ኺድይቡ ኸለው፡ ከምኡውን ልብኹም ኪሕጐስ እዩ።

30. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምጹ ኼስምዕ እዩ፡ ንቕልጽሙ ኸኣ ብዂራ ቚጥዓን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ብሽሾን ሃጽፍን በእማን በረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ።

31. ኣሶር ብሸቦጥ ምስ ወቕዔብድምጺ እግዚኣብሄር ኪሰባበር እዩ እሞ፡

32. ኲሉ መውቃዕቲ እታ እግዚኣብሄር ዜውርደሉ ምድብቲ ስላዕ ከኣ ብኸበሮን መሰንቆን ኪኸውን እዩ፡ ንሱ ኸኣ መመሊሱ ኢዱ እናልዐለ ኺዋግኦም እዩ።

33. ቶፌት ካብ ቀደም ተዳልያ አላ፡ እወ፡ ንንጉስ እኳ ደኣ እያ እተዳለወትኣዕመቛን ኣርሐባን፡ ኣብኣ ኸኣ ሓውን ብዙሕ ዕጨይትን ተዀሚሩ አሎ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ከም ውሒዝ ዲን በግ የብላ አሎ።