1. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንምድሪ ጥራያ ይገብራን የባድማንገጻ ይግምጥል፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ፋሕ የብሎም።

2. ከምቲ ንህዝቢ ኸምኡ ንኻህን ኪበጽሖ እዩ፡ ከምቲ ንባርያ ኸምኡ ንጐይታ፡ ከምቲ ንግዝእቲ ኸምኡ ንእመቤት፡ ከምቲ ንተሻያጢ ኸምኡ ንሸያጢ፡ ከምቲ ንተለቃሒ ኸምኡ ንመለቅሒ፡ ከምቲ ንብዓል ዕዳ ኸምኡ ንመዕድዪ ኺበጽሕ እዩ።

3. እግዚኣብሄር እዚ ቓል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ምድሪ ብጥራስ ጥራያ ኽትከውን ብጥራስውን ክትብዝበዝ እያ።

4. ምድሪ ትሐዝን ትጽምሉውን አላ፡ ዓለም ትሕለል ትጽምሉውን አላ፡ እቶም ምርኡያት ህዝቢ ምድሪ ይሕለሉ ኣለው።

5. ሕጊ ስዒሮም ስርዓት ለዊጦም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኺዳን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዚነብሩ ረኸሰት

6. ስለዚ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋስ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ይቕጽዑ ኣለው፡ ስለዚ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ይነዱሒደት ሰብ ከኣ ይተርፉ

7. ኰልዒ ወይኒ ይሐዝንተኽሊ ወይኒ ይሕለል፡ እቶም ኣብ ልቦም ሓጐስ ዝነበሮም ኲላቶም ይትክዙ ኣለው።

8. ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉጭራሕምራሕ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ፡

9. ደጊምሲ እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩንብርቱዕ መስተ ንሰተይቱ ይመሮም

10. እታ ዝባደመት ከተማ ፈረሰትቤት ዘበለ ኸኣ ሰብ ከይኣትዎ ተዐጽወ

11. ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ኣደባባይ ታዕታዕ ይብሉ፡ ታሕጓስ ዘበለ ዐረበ፡ ተድላ ምድሪ ጐዐዘ

12. ኣብታ ኸተማስ ዑና ጥራይ ተረፈምዕናው ከኣ ንመዓጹ ሰበረ

13. እምበኣርሲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ከምቲ ምንዝናዝ ኣውልዕ፡ ምጒናእ ዘቢብ ተወዲኡስ፡ ቀሪም ከም ዚቕረም፡ ኪኸውን እዩ።

14. እዚኣቶም ድምጾም የልዕሉእልል ከኣ ይብሉ፡ ብዛዕባ ግርማ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ

15. ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ምብራቕንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኣኽብርዎ።

16. ካብ ወሰን ምድሪክብሪ ነቲ ጻድቕ ዚብል መዝሙር ንሰምዕ አሎና። ኣነ ግና፡ ዘማቶ ይዘምቱ፡ እወ፡ ዘማቶ ኣዝዮም ይዘምቱ ኣለው፡ ይዋእ ኣነ፡ ይዋእ ኣነ፡ ወይለይበልኩ

17. ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብርስምባድን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ አሎ።

18. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኻብ ደሃይ ስምባድ ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕ፡ እቲ ኻብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ብመፈንጠራ ኺትሐዝ እዩ። መሳዂቲ ኣብ ላዕሊ ተኸፊቱ እዩ እሞ፡ መሰረታት ምድሪውን የንደቕድቕ አሎ።

19. ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበርምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ

20. ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ዳስ ከኣ ሰሰው ትብል፡ ኣበሳኣ ኸቢድዋ ትወድቕመሊሳውን ኣይትትንስእን

21. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ላዕሊ ኣብ ላዕሊ፡ ንነገስታት ምድሪውን ኣብ ምድሪ ኪቐጽዕ እዩ።

22. ብሓደ ይእከቡእሱራት ኣብ ጒድጓድ ከም ዚእከቡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዕጸው፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም።

23. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኪነግስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ኪኸብር እዩ እሞ፡ ሽዑ ወርሒ ኽትሐፍርጸሓይ ክትሐንኽ እያ።