1. ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍዖና ዃና ኽትከውን እየ።

2. ከተማታት ኣሮኤር ተሐዲጉ፡ ብዘይ ፍርሃት ዚነብራሉ፡ መውፈር መጓሴታት ኪኸውን እዩ።

3. እምባ ኻብ ኤፍሬምመንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆትርፊ ሶርያውን ኪጠፍእ እዩ። ከም ክብሪ ደቂ እስራኤል ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

4. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪውሕድህጥራን ስጋኡውን ኪዐብር እዩ።

5. ከምቲ ዓጻዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ ዚጭምርሮብቕልጽሙ ኸኣ ነቲ ወረን ዚዐጽዶ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ለሰ ረፋይም ንወረን ዚቕርምዎ ድማ ኪኸውን እዩ።

6. ግናኸ ከምቲ ኣውልዕ ምስ ተነዝነዘ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕላይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይስ ሰለስተ ፍረ፡ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከኣ ኣርባዕተ ወይስ ሓሙሽተ ኸም ዚተርፍ፡ ኣብኡ ሒደት ቀሪም ኪተርፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል

7. በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኪብል፡ ኣዒንቱ ኸኣ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪርእያ እየን።

8. ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢ ግልጽ ኣይኪብልን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣስታርቴታት ወይስ ናብ ሓወልቲ ጸሓይ ኣይኪጥምትን እዩ።

9. በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽኑዓት ከተማታቱ፡ ከምቲ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እተሐድገ ቦታታት፡ ዱርን ርእሲ ኣኽራንን ኪዀና እየን፡ ኪባድማ ድማ እየን።

10. ንኣምላኽ ምድሓንኪ ስለ ዝረሳዕኪንኸውሒ ሓይልኺውን ስለ ዘይዘከርኪ፡ ስለዚ ባህ ዜብል ኣትክልቲ ትተኽሊጋሻ ዝዀነ ሓረግ ወይኒውን ተፍልሲ ኣሎኺ።

11. በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ ትሐጽርዮ፡ ኣንጊህኪ ኸኣ ንዘርእኺ ተዐንብብዮ፡ ግናኸ ቀውዒ ብመዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን ይመልቚ

12. ኣየ፡ ህማም ብዙሕ ህዝብታት፡ ከም ህማም ባሕሪ ይሀምም አሎ፡ ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው።

13. ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው፡ ግናኸ ንሱ ይገንሖምኣርሒቖም ከኣ ይሀድሙ። ከም ብቚቡቚ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ይብተኑ

14. ኣጋ ምሸት እንሆ፡ ስምባድ ይመጽእ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ኸኣ የለውን። ግደ እቶም ዝማረኹናብጽሒት እቶም ዝዘመቱና እዚ እዩ።