1. ገናሽል ናብቲ ገዛእ ሃገር ካብ ሴላ ብበረኻ ኣቢልኩም ናብ ከረን ጓል ጽዮን ስደዱ

2. ከም ዚሀድማ ኣዕዋፍ፡ ከም ካብ ቤተን እተሰጓ ወለሊድ ዑፍኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪ ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን።

3. ምኽሪ ምኽሪ፡ ፍርዲ ፍርዲ፡ ቀትሪ ኸሎ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮንስጉጓት ሕብኢንህዱማት ኣይትግለጺ

4. እቲ ጠዋዪ ጠፊኡምዝማት ከኣ ተወዲኡጨቈንቲ ሃገርውን ህልም ኢሎም እዮም እሞ፡ ዎ ሞኣብንሰጉጓተይ ምሳኺ ኣስፍርዮም፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዘማቲ ኸውሊ ዂንዮ።

5. ዝፋን ብምሕረት ኪትከል፡ ኣብኡውን ዚፈርድን ቅንዕና ዚደልን ጽድቂ ንምግባር ዚፈጥንን ብሓቂ ኣብ ድንኳን ዳዊት ኪቕመጥ እዩ።

6. ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ፡ እዛ ኣዝያ ዕብይቲ፡ ብናይ ኲርዓታምብርጣጣቊጥዓኣ፡ ከንቱ ዝዀነ ጃህርኣ ሰማዕና

7. ስለዚ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ክትብለላ እያ፡ ኲላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም፡ ብዛዕባ ናይ ቂር-ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ ኣስቈርቊርኩም ክትበኽዩ ኢኹም።

8. ግርሁ ሄስቦንን ኣትክልቲ ወይኒ ሲብማን ጸምልዩ አሎ። እተን ክቡራት ተኽልታታ ጨናፍረን ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳዕ ያዕዜር በጺሑ፡ ኣብ በረኻ ወፊሩባሕሪ ተሳጊሩ ዝነበረስ፡ እቶም ጐይተት ኣህዛብ ሰበርወን

9. ስለዚ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ብኽያት ያዕዜር እበኽየሉ አሎኹ፡ ኣብ ፍረ ሓጋይኪ፡ ኣብ ቀውዕኺ ናይ ውግእ ጭድርታ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዎ ሄስቦን፡ ንኣኺውን እልዓለብንብዓተይ ኤተርድሰኪ አሎኹ።

10. ሓጐስን ተድላን ካብቲ ፈራዪ ግርሁ ተወሲዱ፡ ኣብ ኣታኽልትታት ወይኒ ኸኣ ደርፍን እልልታን የልቦን፡ ኣብ መሓምተሊ ሓደ እኳ ወይኒ ዚረግጽ ረጋጺ የልቦን። ንጭድርታ ሓጐስሲ መወዳእታ ገይረሉ እየ።

11. ስለዚ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብውሽጠይውን ብዛዕባ ቂር-ሄሬስ ከም መሰንቆ ይቚዝም አሎ።

12. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ሞኣብ ኣብቲ በሪኽ መጺኡ እንተ ጸዐረ፡ ኣብ መቕደሱ ኺጽሊ እንተ ኣተወ፡ ገለ እኳ ዜስልጦ የብሉን።

13. እግዚኣብሄር ብናይ ሞኣብ ቀደም እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ።

14. ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ከም ቊጽሪ ዓመት ዓስቢ ዓሳብብሰለስተ ዓመት ክብሪ ሞኣብ ምስናይ ብዝሒ ህዝቡ ኺዋረድ እዩ፡ እቲ ዝተረፈውን ኣዝዩ ሒደትን ጥቑዕን ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ