1-2. እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎምንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎምንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም

3. ብመዓልቲ ቕጽዓትን ህቦብላን ኻብ ርሑቕ ምስ ዚመጽእን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧ ረዲኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሀፍሙንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሐድግዎ ኢኹም፧

4. ብዘይ ኣብ ትሕቲ እሱራት ምድናንን ኣብ ማእከል ቅቱላት ምውዳቕን ዚተርፎም የልቦን። ምስናይ እዚ ዂሉ ቚጥዓኡ ኣይተመልሰንኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ።

5. ኣሶር ሸቦጥ ቊጥዓይ ወይለኡ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ኸኣ ኲራይ እዩ።

6. ናብ ረሲእ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፡ ኪዘምትን ኪብዝብዝን ከም ጭቃ ኣደባባይ ከኣ ኪረግጾምንሲ፡ ናብቲ ወለዶ ነድረይ ክእዝዞ እየ።

7. ንሱ ግና ከምኡ ኣይመስሎንልቡውን ከምኡ ኣይሐስብን እዩ፡ ኣብ ልቡስ ምጥፋእንንሒደት ዘይኰነ ኣህዛብ ከኣ ምጽናትን እዩ ዘሎ።

8. ይብል አሎ እሞ፡ ኲሎም መሳፍንተይዶ ነገስታት ኣይኰኑን፧

9. ከልኖዶ ኸም ከርከሚሽ ኣይኰነትን፧ ሃማትከ ኸም ኣርፋድዶ ኣይኰነትን፧ ሰማርያስ ከም ደማስቆዶ ኣይኰነትን፧

10. ከምቲ ነቶም ካብ የሩሳሌምን ካብ ሰማርያን ዚበልጽ፡ ጽሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስትታት ጣኦታትኢደይ ዘርከበቶም

11. ከምቲ ንሰማርያን ንጣኦታታን ዝገበርክዎንየሩሳሌምን ንጣኦታታንሲ ኸምኡዶ ኣይክገብርን እየ፧

12. እምበኣርሲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ኲሉ ግብሩ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ፈጸመ፡ ነቲ ፍረ ዕቡይ ልቢ ንጉስ ኣሶርን፡ ንድርቅና እተን ኲሩዓት ኣዒንቱን ክቐጽዕ እየ።

13. ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣስተውዓሊ ስለ ዝዀንኩ፡ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ገበርክዎንዶብ ህዝብታት ከኣ ኣዝበልክዎንመዛግቦም ድማ ዘመትክዎ፡ ከም ጅግናውን ነቶም ኣብ ዝፋን እተቐመጡ ኣውረድክዎም

14. ኢደይ ከኣ ንሃብቲ ህዝብታት ከም ቤት ዑፍ ረኸበቶ፡ ከምቲ ንድርቡይ እንቋቚሖ ዚእክቦ፡ ኣነውን ከምኡ ንብዘላ ምድሪ ኣኪበያ አሎኹ እሞ፡ ሓደ እኳ ኽንፉ ዜንገብግብ፡ ወይስ ኣፉ ኸፊቱ ጭቚጭቚ ዚብል ኣይነበረን።

15. ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዶ ይጀሀር እዩ፧ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ፧ ሸቦጥሲ ነቶም ዜልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶምበትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ፧

16. ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናብቶም ህጣራታቱ ዕብራን ኪሰድድ እዩ፡ ብትሕቲ ኽብሩውን፡ ከም ምብራዕ ሓዊ ገይሩ፡ ባርዕ ኬባርዕ እዩ፡

17. እቲ ብርሃን እስራኤልሲ ሓዊቅዱሱ ድማ ሃልሃልታ ኪኸውን እዩ፡ ንእሾኹን ተዀርባኡን ከኣ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኺበልዖ እዩ።

18. ንኽብሪ ዱሩን ፈራዪ ግርሁኡን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ኼጥፍኦ እዩ፡ ከምቲ ምምህማን ብሕማም ዝማሰነ ሰብ ኪኸውን እዩ።

19. እቲ ኻብ ዱሩ ዝተረፈ ኣእዋም ከኣ፡ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዚጽሕፎ፡ ቊጽሪ ሒደት ኪኸውን እዩ።

20. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ካብ እስራኤል ዝተረፉን እቶም ዘምለጡ ናብ ቤት ይእቆብን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስኪጽግዑ እዮም እምበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣብቲ ወቓዒኦም ኣይኪጽግዑን እዮም።

21. እቲ ትራፍ፡ እቲ ኻብ ያእቆብ ዝተረፈ፡ ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ኪምለስ እዩ።

22. እስራኤልህዝብኻ ኸም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ ተረፍ ጥራይ ኪምለስ እዩ፡ ጥፍኣት ምዱብ እዩ፡ እዚውን ንጽድቂ ኼውሕዞ እዩ።

23. ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ማእከል ኲላ ምድሪ ምዱብ ጥፍኣት ኪፍጽም እዩ።

24. ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ኣታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘሎኻ ህዝበይኣሶርሲ ምንም እኳ ብስላዕ እንተ ወቕዓካ፡ ከምቲ ኣዋቓቕዓ ግብጺ በትሩ እንተ ኣልዐለልካኣይትፍርሃዮ

25. ቅሩብ ጊዜ እምበር እቲ ዂራ ኺወዳእቊጥዓይ ከኣ ንጥፍኣቶም ኪምለስ እዩ።

26. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ሆሬብ ንሚድያን ዝወቕዓጭጒራፍ ኬልዕለሉ እዩ፡ በትሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮውን ኬልዕሎ እዩ።

27. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ጾሩ ኻብ መንኲብኻኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኺወርድ እዩ። እቲ ኣርዑትውን ካብ ስብሒ እተላዕለ ኺስበር እዩ።

28. ናብ ዓያት ይመጽእብሚግሮን ይሐልፍ፡ ኣብ ሚኽማሽ ኣቓሕኡ የንብር አሎ።

29. ብኽሳድ ይሐልፉ፡ ኣብ ጌባ ኸኣ ማሕደሪኦም ይገብሩ ኣለው። ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ ድማ ትሀደም አላ።

30. ኣቲ ጓል ጋሊምዓው ኢልኪ ኣእውዪ፡ ዎ ላይሻጽን በሊኣናቶት ከኣ ይወኣነይቲ

31. ማድሜና ትሀድምሰብ ጌቢም ከኣ ከብቶም የህድሙ

32. በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕልኢዱ ኣብ ልዕሊ ኸረን ጓል ጽዮን፡ ኣብ ኲርባ የሩሳሌም የዋጣውጥ አሎ።

33. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንጨናፍር ብዜሰክሕ ሓይሊ ይሰልዖም፡ እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ይቚረጹ፡ እቶም ልዑላት ከኣ ለጠቕ ይብሉ ኣለው።

34. ነቲ ዕሙር ዱር ብሓጺን የብርሶሊባኖስ ከኣ ብኢድ እቲ ስልጡን ይወድቕ