1. ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስንነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ

2. እግዚኣብሄር ይዛረብ አሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያትስምዑ፡ ኣቲ ምድሪጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው

3. ብዕራይ ንዋናኡኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦእስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥንህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ።

4. ሓጥእ ዓሌትበደል እተጻዕነ ህዝቢዘርኢ ገበርቲ እከይጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖምንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ

5. ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ።

6. ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰንኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ።

7. ሃገርኩም ባዲማከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት

8. ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ አላ።

9. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንናንጎሞራ ምመሰልና ኔርና።

10. ኣቱም ሓላቑ ሶዶምቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ።

11. ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ ይብል እግዚኣብሄርብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ።

12. ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም

13. ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትንኣኼባ ማሕበርንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ።

14. ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ አላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ አሎኹ።

15. ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለንምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩምኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን።

16. ተሐጸቡንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ

17. ምግባር ሰናይ ተመሀሩቅንዕና ድለዩንጥቑዕ ርድእዎንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ

18. ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐትይብል እግዚኣብሄርሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።

19. ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።

20. ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምንኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም።

21. እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት።

22. ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ

23. መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ።

24. ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡንከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕልንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ።

25. ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ።

26. ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂእምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ።

27. ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም።

28. ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም።

29. በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም።

30. ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምንማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡

31. እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ እንጣጢዕ፡ ዕዮኡ ድማ ከም ቊልዒ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።