1. ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፣ ኣብ መንግስቱ ከለዳውያን ከኣ ንጉስ ዝዀነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ

2. ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልኩዎ፣ ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ።

3. ብማቕን ብሓመዅስትን እና ጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ

4. ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ለመንኩን ተናዘዝኩን ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ

5. ንህና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና

6. ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን

7. ጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ባኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ።

8. እወ፣ ጐይታየበዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትናንመሳፍንትናነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ።

9. ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዮ።

10. ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን

11. ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰበዲልናዮ ኢና እሞ፣ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና

12. ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ

13. ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፣ እዚ ዅሉ መዓት ወረደና ግናኸ ኣብ ኣበሳና ኽንምለስ፣ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን።

14. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ

15. ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽናንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፣ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፣ ንሕና ኣበሳናእኩይ ገበርና

16. ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፣ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፣ እታ ቅድስቲ ደብርኻከተምልስ እልምነካ አሎኹ።

17. ኣምላኽና፣ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ

18. እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይእዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት

19. ጐይታየስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበርኣይትደንጕ

20. ክዛረብ፣ ክጽሊ፣ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፣ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፣

21. ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ

22. መሀረኒ፣ ተዛረበኒበለውንዳንኤለየ፣ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ

23. ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፣ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምብኣርስ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፣ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ

24. ንዕልወት መወዳእታ ኺግበሮ፣ ሓጢኣት ኪውዳእኣበሳ ኺዕረቕዘለኣለማዊ ጽድቂ ኺኣቱራእይን ትንቢትን ኪሕተም፣ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፣ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ።

25. እምብኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፣ እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህመስፍንሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፣ ጊዜ ጸበባ ኽነሱ፣ ንሱ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ።

26. ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ፣ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ከኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፣ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፣ ጥፍኣታውን ምዱብ እዩ።

27. ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።