1. ኣነ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ ዓመት ንዳርዮስ ሜዶናዊ ኽሕግዞን ክጽኖኦን ቈይመ ነበርኩ።

2. ሕጂ ኸኣ ነቲ ሓቂ ኽፍልጠካ እየ። እንሆ፡ እንድሕርዚውን ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም። እቲ ራብዓይ ድማ ካብ ኵላቶም ዝበለጸ ኺህብትም እዩ። በቲ ሃብቱ ምስ በርትዔ ድማ፡ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ ኼተንስኦም እዩ።

3. ሽዑ ዓብዪ ግዝኣት ዚገዝእን ዝደለየ ዚገብርን ብርቱዕ ንጉስ ኪርንስእ እዩ።

4. ንሱ ምስ ተንስኤ ኸኣ፣ መንግስቱ ክትስበር፣ ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽትመቓቐል እያ። መንግስቱ ኽትፈርስ፣ ካብታቶም ናብ ካልኦት ክትሐልፍ እያ እሞ፣ ንዘርኡ ኣይክትከውንን እያ፣ ከምቲ ኺገዝእ ከሎ ዝነበሮ ስልጣን ከኣ ኣይኪህልዋን እዩ።

5. እቲ ንጉስ ደቡብ ኪብርትዕ፣ ሓደ ካብ መሳፍንቱ ኸኣ ካብኡ ኺብርትዕን ኪገዝእን እዩ፣ ግዝኣቱውን ዓብዪ ግዝኣት ኪኸውን እዩ።

6. ድሕሪ ቕሩብ ዓመታት ከኣ ኪሐብሩ እዮም። እታ ጓል ንጉስ ደቡብ ድማ ከተሳማምዕ ኢላ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመጽእ፣ ግናኸ ሓይሊ ቕልጽማስ ኣይከተጽንዕን እያ። ንሱን ቅልጽሙን ከኣ ኣይኪቐውምን እዩ። ንሳን እቶም ዜምጽእዋን እቲ ዝወለዳን እቲ በቲ ግዝያት ዝደገፋን ሐሊፎም ኪወሀቡ እዮም።

7. ካብ ሱራ ዝወጸ ውሉድ ግና ኣብታ ቦታኡ ኺትንስእ እዩ፣ ንሱ ናብ ሰራዊት ኪመጽእ፣ ናብ ዕርዲ ንጉስ ሰሜን ኪኣቱ፣ ከም ዝደለየ ኺገብሮምን ኪስዕሮምን እዩ።

8. ንኣማልኽቶም፣ ምስናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፣ ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑኦም ናብ ግብጺ ኺማርኾም እዩ። ንሓይሎ ዓመታት ከኣ ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግኤ ኪቕመጥ እዩ።

9. ንሱ ድማ ናብ መንግስቱ ንጉስ ደቡብ ኪመጽእ፣ ግናኸ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።

10. ደቁ ኸኣ ንውግእ ኪዳለዉኣብዚሖም ዓብዪ ሰራዊት ኪእክቡ እዮም። እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ኺመጽእ፣ ከም ውሒዝ ውሒዙ ኺሐልፍኪምለስ ድማ እዩ፣ ክሳዕ ዕርዱውን ኪዋጋእ እዩ።

11. እቲ ንጉስ ደቡብ ከኣ ኪምረር፣ ምስኡ፣ ምስቲ ንጉስ ሰሜንኪዋጋእ ኢሉውን ኪመጽእ እዩ። ንሱ ብዙሓት ኬኽትት፣ እቶም ብዙሓት ግና ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።

12. ነቶም ብዙሓት ኪወስዶምልቡ ኸኣ ኪዕበኣእላፋትውን ኬውድቕ እዩ። ግናኸ በዝስ ኣይኪብርትዕን እዩ።

13. እቲ ንጉስ ሰሜን ኪምለስ፡ ካብቲ ናይ ቅደም ዚበዝሑ ብዙሓት ከኣ ኬኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገንዘብን ሒዙ ኺመጽእ እዩ።

14. በቲ ዘመን እቲ ንንጉስ ደቡብ ብዙሓት ኪትንስእዎ እዮም። ካብ ማእከል ህዝብኻ ዓመጻኛታት ነቲ ራእይ ኪፍጽሙስ ልዕል ኪብሉ፡ ግናኸ ኪወድቁ እዮም።

15. እቲ ንጉስ ሰሜን ኪመጽእ፡ ክቢ ኺሰርሕ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ኪሕዛ እዩ። ቀላጽም ደቡብ ኣይኪጸንዕን፡ እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኸኣ ንምቅዋም ዚኸውን ሓይሊ የብሎምን።

16. እቲ ዚመጾ ግና ከም ዝደለዮ ኺገብር እዩ፣ ዚቃወሞ ኸኣ ሓደ የልቦን። ንሱ ኣብታ ኽብርቲ ሃገር ኪቐውም፣ ኣብ ኢዱውን ጥፍኣት ኪኸውን እዩ።

17. ምስ ሓይሊ ዅሉ መንግስቱ ኺመጽእ፡ ኪሰማማዕ ኢሉ ኸኣ ገጽ ኪመልስ እዩ። ምእንቲ ኼጥፍኣጓል ኣንስተይቲ ኺህቦ እዩ። ንሳ ኣይክትቀውምን፡ ንእኡውን ኣይክትከውንን እያ።

18. ድሕርዚ ገጹ ናብ ደሴታት ኪመልስ፣ ካብኣተን ከኣ ብዙሓት ኪወስድ እዩ። ሓደ መስፍን ግና ነቲ ጸርፉ ኼትርፎ፣ ኤረ ናብ ርእሱ ኺመልሰሉ እዩ።

19. ገጹ ናብ እምባ ሃገሩ ኺመልስኪሕንኰልን ኪወድቕን እዩ፣ ኣይኪርከብን ከኣ እዩ።

20. ሽዑ ኣብ ክንዳኡ ሓደ ኻልእ ኪትንስእ ኣብታ ኽብርቲ መንግስቲ ኸኣ ንመጨነቒ ኣሕሊፋ ኺሰዶ እዩ። ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት ግና ኪጠፍእብቝጥዓ ኣይኰነን፣ ብዅናትውን ኣይኰነን።

21. ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ክብሪ መንግስቲ ዘይሀብዎ ሓደ ንዑቕ ሰብ ኪትንስእ እዩ፣ ቀስ ኢሉ ኺመጽእ፣ ነታ መንግስቲ ድማ እናቃባጠረ ኪህዛ እዩ

22. ብቐላጽም ውሒዝ ካብ ቅድሚኡ ኺድምሰሱን ኪስበሩን እዪም፣ ኤረ እቲ መስፍን ቃል ኪዳን እኵ ኸይተረፈ።

23. ኪዳን ምስኡ ምስ ተኣታተወ ኸኣ፣ ብተንኰል ኪገብር እዩ። ኪወጽእን ብሒደት ጭፍራ ኺስዕርን እዩ።

24. ቀስ ኢሉ ናብተን ልምሉማት ቦታታት እታ ኣውራጃ ኺኣቱ እዩ፣ እቶም ኣቦታቱ፣ ኤረ እቶም ኣቦታት ኣቦታቱ እኳ ከቶ ዘይገብርዎ ኺገብር እዩ። ብዝበዛን ምርኮን ገንዘብን ኬማቕሎም፡ ነተን ጽኑዕት ከተማታት ኪህቅነለን እዩ፡ እዚውን ንቕሩብ ጊዜ እዩ።

25. ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ ሓይሉን ትብዓቱን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ኬተንስእ እዩ። ንጉስ ደቡብ ከኣ ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራት ሒዙ ንውርእ ኪትንስእ፣ ግናኸ ምኽሪ ኺጣበቡሉ እዮም እሞ፣ ኣይኪቐውምን እዩ።

26. እቶም ኣብ መኣዱ ዚበልዑ ኸኣ ኪጭፍልቕዎ እዮም፣ ሰኣዊቱ ኺውሕዝ እዩ፣ ብዙሓትውን ተወጊኦም ኪወድቁ እዮም።

27. ክልቲኦም ነፍገስታት በብልቦም እከይ ኪሐስቡ፡ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ተቐሚጦም ከኣ ሓሶት ኪዛረቡ እዮም። ግናኸ መወዳእታኡ ኣብታ ምድብቲ ዘመን እዩ ዚኸውን እሞ፡ ኣይኪሰልጥን እዩ።

28. ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ናብ ሃገሩ ኺምለስ፣ ልቡ ነቲ ቅዱስ ኪዳን ኪህቅነሉ፣ ኪገብር ከኣ እዩ እሞ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።

29. በታ ምድብቲ ዘመን ተመሊሱ ናብ ደቡብ ኪኸይድ፣ ግናኸ እቲ ዳሕራይ ጊዜስ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኪኸውንን እዩ።

30. መራኽብ ካብ ኪቲም ኪመጻኣ እየን እሞ፣ ኪሽበርን ኪምለስን እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ኺዳን ኩዅሪ ኺገብርውን እዩ። ኪምለስ፣ ነቶም ነታ ቅድስቲ ኺዳን ዝሐድግዋ ድማ ኪሰምዖም እዩ።

31. ቀላጽሙ ኣብኡ ኪቘሙ፡ ነታ መቕደስን ነቲ ዕርድን ኬርክሱ፡ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኺውግዱነቲ ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ከኣ ኬቝሙ እዮም።

32. ነቶም ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉስ እናቃባጠረ ኼስሕቶም እዩ፣ እቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ ግና ኪብርትዕን ኪገብርን እዩ።

33. እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኸኣ ንብዙሓት ኪምህሩ እዮም፣ ግናኸ ንቕሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ብምርኮን ብበዝባዝን ኪወድቁ እዮም።

34. ምስ ወደቑ ኸኣ ብቕሩብ ረድኤት ኪርድኡ እዮም፣ ግናኸ ብዙሓት ብግብዝና ኺሐብርዎም እዮም።

35. እዝስ በቲ ምዱብ ጊዜ እዩ ዚኸውን እሞ፣ ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ኪዅልዖምን ኬጽርዮምን ኬጻዕድዎምንሲኪወድቁ እዮም።

36. እቲ ምዱብ ነገር ኪፍጸም እዩ እሞ፣ እቲ ንጉስ ከም ፍቓዱ ኪገብርን ርእሱ ኼልዕልን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘበለ ኪዕበን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድማ መስትንክር ኪዛረብ እዩ። እቲ ቝጥዓ ኽሳኦ ዚፍጸምሲኪሰልጠሉ እዩ።

37. ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኺኦበ እዩ እምበር፣ ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኣይኬቕልበሉን፣ ነቲ ሃረርታ ኣንስታን ንኣምላኽ ዘበለን ኣይኬቕልበሉንን እዩ።

38. ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኣምላኽ ዕርድታት ኬኽብር፣ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቓሑን ኬኽብሮ እዩ።

39. ነቲ ጽኑዕ ዕርድታት ብጓና ኣምላኽ ተሕጊዙ ኸምዚ ኺገብሮ እዩ፣ ነቶም ዚቕበልዎ ኽብሪ ኼብዝሓሎም፣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኬግዝኦም፣ ከም ዓስቢ ኸኣ ነታ ምድሪ ኪኸፋፍላ እዩ።

40. ኣብ ዘምን መወዳእታ ግና እቲ ንጉስ ደቡብ ኪገጥመሉ እዩ። እቲ ንጉስ ሰሜን ከኣ ብስረገላታትን ብፍራስን ብብዙሕ መራኽብን ከም ህቦብላ ንፋስ ኰይኑ ኺመጾ እዩ፣ ኣብተን ሃገራት ድማ ኪኣቱን ኪወጽሕዝን ኪሐልፍን እዩ።

41. ናብታ ኽብርቲ ሃገር ከኣ ኪኣቱ እዩ፣ ብዙሓት ሃገር ድማ ኪወድቁ እዮም። ግናኸ ኤዶምን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ዓሞንን ካብ ኢዱኢ ኼምልጡ እዮም።

42. ኣብ ሃገራት ድማ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ፣ ሃገር ግብጺውን ኣይከተምልጥን እያ።

43. ንሱ ኣብቲ መዛግብ ወርቅን ብሩርን ኣብ ኵሉ እቲ ኽቡር ኣቓሑ ግብጽን ኪስልጥን እዩ፣ ሊብያን ኢትዮጵያን ድማ ኪስዕብዎ እዮም።

44. ግናኸ ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ ኬኽብሮ እዩ እሞ፣ ንብዙሓት ኬጥፍእን ኬጽንትን ኢሉ፣ ብዓብዪ ነድሪ ኺወጽእ እዩ።

45. ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ። ግናኸ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽህ እዩ፣ ዚረድኦ ኸኣ የብሉን።