1. ንዳርዮስኣብ ብዘላ መንግስቱ ዚዀኑ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኣብታ መንግስቲ ኺሸይም፣ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ

2. እቲ ንጉስ ከይጕዳእሲእቶም መሳፍንቲ ጸብጻብ ኪህቡዎም፣ ኣብ ሎሊኦም ሰለስተ ኣርኣሰሎምሓደ ኻብ እዚኣቶም ከኣ ዳንኤል እዩ።

3. ዳንኤል ግና፣ ብሉጽ መንፈስ ሐዲርዎ ነበረ እሞ፣ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፣ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኼርእሶ ሐሰበ

4. ሽዑ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ኺረክቡሉ ደለዩ፣ ግናኸ እሙን ነበረ፣ ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸኣ ሰኣኑሉ እሞ፣ ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኺረክቡሉ ከቶ ኣይከኣሉን

5. ሽዑ እቶም ሰባት፣ ነዚ ዳንኤልሲ፣ ነታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘኰይኑ፣ ካልእ ምክንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፣ በሉ

6. ድሕርቲ እቶም ራእስታትን መሳፍትን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተኣከቡኡ እሞ ከምዚ ኢሎም በልዎ፣ ዎ ዳርዮስንዘለኣለም ህያው ኩን።

7. ኵላቶም ራእስታትን መንግስትን ሹማምትን መሳፍንትን ኣማከርትን ምስሌታትንበዘን ሰላሳ መዓልቲ ኢዝኤን፡ ዎ ንጉስ፡ ናኣኻ እንተ ዘኰይኑ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕብርቱዕ ክልክል ከኣ ኪእወጅ ሐቢሮም መኸሩ

8. ንጉስ፣ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ከይልወጥሲ፣ ስምካ ጽሒፍካ ነቲ ኽልክል ኣጽንዓዮ

9. ንጉስ ዳርዮስ ድማ ነቲ ጽሑፍን ክልክል ኣጽንዖ

10. ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸጸለየን ኣመስገነን

11. ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ረኽብዎ

12. ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ናኻ እንተ ዘይኰነስ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ፣ ኢልካዶ ኽልክል ኣይኣወጅካንኢሎን ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ

13. ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፣ ኢሎም መለሱ

14. እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔኣዝዩ ጐሀየ፣ ምእንቲ ኼናግፎ ኸኣ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውንኬድሕኖ ተጋደለ

15. ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተኣከቡ እሞ፣ ዎ ንጉስ፣ እቲ ንጉስ ዘጽንዖ ክልክል ትእዛዝን ከይልወጥሲ፣ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ህጊ ኸም ዘሎ ፍለጥ፣ ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።

16. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዘዘንዳንኤል ከኣ ኣምጽእዎ፣ ናብ ጕድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎንጉስ ድማ ንዳንኤል፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካበሎ

17. ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ኦአጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ

18. እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራኡ ኸድጸሙ ኸኣ ሐደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር ኣየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ።

19. ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤቀልጢፉ ኸኣ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ

20. ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸኣለኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ

21-22. ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፣ ዎ ንጉስንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፣ ከቶውን ኣይጐድኡንንኢሉ መለሰሉ።

23. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዮ ተሐጐሰ፡ ንዳንኤል ካብቲ ጉድጓድ ኬውጽእዎ ኸኣ አዘዘ። ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን

24. እቲ ንጉስ ከኣ ኣዘዘነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፣ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ዅሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎ

25. ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሀፈሰላም ይብዛሓልኩም

26. ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ፣ መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፣ ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቀጡን ይህርሁን፣ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

27. ንሱ የናግፍን የድህንን፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ካብ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሐነ ድማ ንሱ እዩ።

28. እዚ ዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ ብዓል ፋርስን ሰልጠነ