1. በቲ ዘመንቲ ሚካኤል፣ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብካ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፣ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘምን ጸበባ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፣ ኪድሕን እዩ።

2. ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፣ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም።

3. እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፣ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ እዮም።

4. ንስኻ ግና፣ ኣታ ዳንኤል፣ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላይት እዚኤን ዕጸወን፣ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፣ ምስትውዓል ድማ እናወስኸ ኪኸይድ እዩ።

5. ኣነ ዳንኤል ከኣ ጠመትኩ፣ እንሆውን፣ ክልተ ኻልኦት፣ እቲ ሓደ ኣብ ክነጀው ገምገም ርባ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ።

6. ሓዲኦም ከኣ ነቲ ኻብ ልሕጺ እንታጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ፡ እዚ ዜስተንክር ነገር እዝስ መወዳእታኡ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ኢሉ ጠየቖ።

7. እቲ ኻብ ልሕጺ እንታጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዕለ እሞ፡ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፡ ነቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፡ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ፡ ኢሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕልዎ

8. ኣነ ድማ ሰማዕኩ፡ ግናኸ ኣየስተውዐልኩን እሞ፡ ጐይታየመወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ፧ በልኩ

9. ንሱ ኸኣ በለዳንኤለየ፡ እዚ ቓላት እዚ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ፡ ኪድ ደኣ።

10. ብዙሓት ኪጸርዩኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም፣ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር፣ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።

11. ካብቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቘመሉን ዘመን ጀሚሩ፡ ሽህን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ።

12. እቲ ዚጽበን፡ ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዚበጽሕን ብጹእ እዩ።

13. ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድክትዐርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ።

Chap 11