1. ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ብዘላ ምድሪ ዘሎኹም ኵሉኹም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን፣ ሰላም ይብዛሕኩም።
2. እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩኒ አሎ።
3. ትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ፣ ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣ ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
4. ኣነ ነቡካድነጻር፣ ኣብ ቤተይ ዐሪፈ፣ ኣብ ኣዳራሸይ ድማ ባህ ኢሊኒ ነበርኩ።
5. ዜሰምብደኒ ሕልሚ ርኤኹ፣ ኣብ መደቀስየይ፣ ከሎኹ፣ ሓሳባትን ራእያት ርእሰይን ኣጨነቐኒ።
6. ስለዚ ንዅላቶም ጠቢባን ባቢሎን፣ ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ኼፍልጠኒ፣ ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎም፣ ኣዘዝኩ።
7. ሽዑ እቶም ጠቡባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ፈለጥትን መጹ፣ ነቲ ሕልሚ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተዛረብኩ፣ ንሳቶም ግና ትርጓሜኡ ኣየፍለጡንን።
8. ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ ቤልጥሻጽር እተሰምየ፣ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ኣብ ቅድመይ ኣተወ፣ ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዚ ኢለ ተዛረብኩ።
9. ኣታ ቤልጥሻጽር ሊቀ ጥቢባን፣ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካን ዜሸግረካ ምስጢር ከኣ ከም ዜብልካን እፈልጥ እየ እሞ፣ እቲ ዝርኤኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጓሜኡን ንገረኒ።
10. እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኹዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፣ እንሆ፣ ኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኹ፣ ቍመታ ኸኣ ነዋሕ እያ።
11. እታ ኦም ዐብያን በርቲዓን፣ ቍመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፣ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት።
12. ቈጽላ ጽቡቕ ነበረ፣ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፣ ንዅሉ ኸኣ ምግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለን፣ ኣዐዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፉረን ነበራ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።
13. እንሆ፡ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ።
14. ንሱ ኸኣ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን፣ ነዛ ኦም ቍረጽዋ፣ ቸናፍራ ጸልጽሉ፣ ቈጽላ ኣርግፉ፣ ፍሬኣ በትኑ፣ እተን እንስሳ ካብ ትህቲኣ፣ እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ።
15. ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ፣ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፣ ምስ እንስሳ ኸኣ ግዲኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን።
16. ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፣ ልቢ እንስሳ ኸኣ ይወሀቦ፣ ሾብዓተ ግዝያት ድማ ይህለፎ።
17. እቶም ህያዋንሲ፣ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደኣ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፣ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ሓለውቲ ዝመደቦም፣ እዚ ነገር እዚውን ኣቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ።
18. ነዚ ሕልሚ እዚ ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ርኤኽዎ። ኣታ ቤልጥሻጽር፣ ኵላቶም ተቢባን መንግስተይ ትርጓሜኡ ኼፍልጡኒ ኻብ ዘይኽእሉ፣ ንስኻ ግና፣ እቲ መንፈስ ቅዱስን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፣ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፣ ትርጓሜኡ ንገረኒ።
19. ሽዑ እቲ ቤልጥሻጽር ዝስሙ ዳንኤል ሓንሳእ ዝን በለ፣ ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ። እቲ ንጉስ ድማ፣ ኣታ ቤልጥሻጽር፣ እቲ ህልምን ትርጓሜኡን ኣየጨንቕካ፣ ኢሉ መለሰሉ። ቤልጥሻጽር ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፣ ጐይታየ፣ እቲ ሕልሚ ንጸላእትኻ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ንተጻረርትኻ ይኹን።
20. እታ ዝርኤካያ ኦም፣ እታ ዝዐበየትን ዝበርትዔትን፣ ቍመታ ኣብ ሰማይ ዝበጽሔ፣ ኣብ ኵሉ ምድሪውን እተራእየት፣
21. ቈጽላ ዝጸበቐ፣ ፍሬኣ ዝበዝሔ፣ ንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፣ እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፣ ኣብ ጨናፍራውን ኣዕዋፍ ሰማይ ዚዐርፋላ ኦም፣
22. ዝዐቤኻን ዝበርታኦካን፣ ኦቤትካ እናዐበየ ኽሳዕ ሰማይ፣ ግዛትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሔስ ንስኻ ኢኻ፣ ዎ ንጉስ።
23. እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረኣዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፣ ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፣ ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ፣ ብሰንሰለት ሃጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፣ ሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሓልፋ፣ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፣ ግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፣ ዝበለ፣
24. ትርጓሜኡ እዚ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ፣
25. ካብ ሰብ ክትስጐጒ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፡ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፡ ክሳዕ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን።
26. እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ሱራት ይጽናሕ እተባህለ፣ መንግስትኻ ኽትምለሰካ እያ።
27. ስለዚ፣ ዎ ንጉስ፣ ምኽረይ ስማዕ፣ ንሓጢኣትካ ብጽድቂ፣ ንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቍረጾ፣ ምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ።
28. እዚ ዅሉ ንንጉስ ነቡካድነጻር በጽሖ።
29. ድሕርዚ ኦኣሰርተው ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፣ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ይዘውር ነበረ፣
30. እቲ ንጉስ ከኣ፣ እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፡ ኢለ ተዛረበ።
31-32. እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፣ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፣ ንኣኻስ፣ መንግስቲ ካባኻ ኸይዳ እያ፣ ይበሀለካ አሎ፣ ካብ ሰብ ክትስጐጕ፣ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፣ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብሎኡኻ እዮም፣ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲ፣ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋካ እየን፣ ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ ወረደ።
33. ብኡብኡ እቲ ነገር ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመ፣ ጸጕሩ ኸም ናይ ንስሪ፣ ኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኰይኑ ኽሳዕ ዚነውሕ፣ ካብ ሰብ ተሰጐ፣ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዔ፣ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።
34. እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፣ ኣነ ነቡካድነጻር፣ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዐልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረክኹ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፣ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፣ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብ፣ ወደስኩን ኣኽበርኹን።
35. እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኵ ኣይቍጸሩን፣ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ንኢዱ ዚክልክላ፣ ልሰምንታይ እዚ እትገብር፣ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።
36. በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለስለይ፣ ንኽብሪ መንግስተይ ከኣ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዪኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩ፣ ዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኽለይ።
37. ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ ኤመስግኖን ልዕል ኤብሎን ኤኽብሮን አሎኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፣ መገድታቱ ኸኣ ፍርዲ እዩ እሞ፣ ነቶም ተዐብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይክእል እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...