1. ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ብዘላ ምድሪ ዘሎኹም ኵሉኹም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትንሰላም ይብዛሕኩም

2. እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩኒ አሎ።

3. ትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዪተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣ ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

4. ኣነ ነቡካድነጻር፣ ኣብ ቤተይ ዐሪፈ፣ ኣብ ኣዳራሸይ ድማ ባህ ኢሊኒ ነበርኩ።

5. ዜሰምብደኒ ሕልሚ ርኤኹኣብ መደቀስየይ፣ ከሎኹ፣ ሓሳባትን ራእያት ርእሰይን ኣጨነቐኒ

6. ስለዚ ንዅላቶም ጠቢባን ባቢሎንትርጓሜ እቲ ሕልሚ ኼፍልጠኒ፣ ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎምኣዘዝኩ

7. ሽዑ እቶም ጠቡባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ፈለጥትን መጹ፣ ነቲ ሕልሚ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተዛረብኩ፣ ንሳቶም ግና ትርጓሜኡ ኣየፍለጡንን

8. ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ ቤልጥሻጽር እተሰምየመንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ኣብ ቅድመይ ኣተወ፣ ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዚ ኢለ ተዛረብኩ

9. ኣታ ቤልጥሻጽር ሊቀ ጥቢባንመንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካን ዜሸግረካ ምስጢር ከኣ ከም ዜብልካን እፈልጥ እየ እሞ፣ እቲ ዝርኤኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጓሜኡን ንገረኒ

10. እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኹዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፣ እንሆኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኹቍመታ ኸኣ ነዋሕ እያ።

11. እታ ኦም ዐብያን በርቲዓንቍመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፣ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት።

12. ቈጽላ ጽቡቕ ነበረ፣ እቲ ፍሬኣ ብዙሕንዅሉ ኸኣ ምግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለንኣዐዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፉረን ነበራ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።

13. እንሆ፡ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ

14. ንሱ ኸኣ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን፣ ነዛ ኦም ቍረጽዋ፣ ቸናፍራ ጸልጽሉቈጽላ ኣርግፉፍሬኣ በትኑ፣ እተን እንስሳ ካብ ትህቲኣ፣ እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ

15. ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂምስ እንስሳ ኸኣ ግዲኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን።

16. ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፣ ልቢ እንስሳ ኸኣ ይወሀቦሾብዓተ ግዝያት ድማ ይህለፎ

17. እቶም ህያዋንሲ፣ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደኣ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፣ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ሓለውቲ ዝመደቦም፣ እዚ ነገር እዚውን ኣቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ።

18. ነዚ ሕልሚ እዚ ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ርኤኽዎኣታ ቤልጥሻጽርኵላቶም ተቢባን መንግስተይ ትርጓሜኡ ኼፍልጡኒ ኻብ ዘይኽእሉ፣ ንስኻ ግና፣ እቲ መንፈስ ቅዱስን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፣ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፣ ትርጓሜኡ ንገረኒ

19. ሽዑ እቲ ቤልጥሻጽር ዝስሙ ዳንኤል ሓንሳእ ዝን በለ፣ ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ። እቲ ንጉስ ድማ፣ ኣታ ቤልጥሻጽር፣ እቲ ህልምን ትርጓሜኡን ኣየጨንቕካኢሉ መለሰሉቤልጥሻጽር ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉጐይታየ፣ እቲ ሕልሚ ንጸላእትኻትርጓሜኡ ኸኣ ንተጻረርትኻ ይኹን።

20. እታ ዝርኤካያ ኦም፣ እታ ዝዐበየትን ዝበርትዔትንቍመታ ኣብ ሰማይ ዝበጽሔ፣ ኣብ ኵሉ ምድሪውን እተራእየት

21. ቈጽላ ዝጸበቐፍሬኣ ዝበዝሔንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፣ እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፣ ኣብ ጨናፍራውን ኣዕዋፍ ሰማይ ዚዐርፋላ ኦም፣

22. ዝዐቤኻን ዝበርታኦካንኦቤትካ እናዐበየ ኽሳዕ ሰማይግዛትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሔስ ንስኻ ኢኻ፣ ዎ ንጉስ

23. እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረኣዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፣ ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፣ ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታብሰንሰለት ሃጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሓልፋብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፣ ዝበለ

24. ትርጓሜኡ እዚ እዩ፣ ዎ ንጉስእዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ፣

25. ካብ ሰብ ክትስጐጒ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፡ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦክሳዕ እትፈልጥሲሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን።

26. እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ሱራት ይጽናሕ እተባህለ፣ መንግስትኻ ኽትምለሰካ እያ።

27. ስለዚ፣ ዎ ንጉስምኽረይ ስማዕንሓጢኣትካ ብጽድቂንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቍረጾምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ።

28. እዚ ዅሉ ንንጉስ ነቡካድነጻር በጽሖ

29. ድሕርዚ ኦኣሰርተው ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፣ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ይዘውር ነበረ፣

30. እቲ ንጉስ ከኣ፣ እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፡ ኢለ ተዛረበ

31-32. እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፣ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፣ ንኣኻስ፣ መንግስቲ ካባኻ ኸይዳ እያ፣ ይበሀለካ አሎ፣ ካብ ሰብ ክትስጐጕምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፣ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብሎኡኻ እዮም፣ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋካ እየን፣ ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ ወረደ

33. ብኡብኡ እቲ ነገር ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመጸጕሩ ኸም ናይ ንስሪኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኰይኑ ኽሳዕ ዚነውሕ፣ ካብ ሰብ ተሰጐ፣ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዔስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ

34. እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመኣነ ነቡካድነጻርኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዐልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረክኹ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፣ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣትመንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብ፣ ወደስኩን ኣኽበርኹን

35. እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኵ ኣይቍጸሩን፣ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብርንኢዱ ዚክልክላ፣ ልሰምንታይ እዚ እትገብርኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።

36. በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለስለይንኽብሪ መንግስተይ ከኣ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዪኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኽለይ

37. ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ ኤመስግኖን ልዕል ኤብሎን ኤኽብሮን አሎኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂመገድታቱ ኸኣ ፍርዲ እዩ እሞ፣ ነቶም ተዐብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይክእል እዩ።