1. ሳሙኤል ድማ ሞተ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ተአኪቦም በኸዩሉ፡ ኣብ ራማ ኣብ ቤቱ ድማ ቀበርዎ። ሽዑ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ወረደ

2. ሓደ ሰብኣይተግባሩ ኣብ ቀርሚሎስ ከሎ፡ ኣብ ማዖን ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ሰለስተ ሽሕ በጊዕሽሕ ከኣ ጤል ነበራኦ፡ በቲ ጊዜቲ ድማ፡ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ።

3. ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ናባልስም ሰበይቱ ድማ ኣቢጋይል ነበረ። እታ ሰበይቱ ኸኣ ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት። እቲ ሰብኣይ ግና ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሌት ካሌብ ነበረ።

4. ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቘርጽ ከም ዘሎ ሰምዔ

5. ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጕባዝ ለአኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጕባዝ በሎም፡ ናብ ቀርቤሎስ ደዪብኩም ናብ ናባል እተዉ እሞ ብስመይከመይ ኢልካ አሎኻ፡ በልዎ።

6. ከምዚ ድማ በልዎ፡ ጥዕና ይሀበለይ፡ ንኣኻ ሰላምንቤትካ ሰላም፡ ንዘሎካ ዅሉውን ሰላም።

7. ሕጂ ኸኣ ቈረጽቲ ኣባጊዕ ከም ዘለውኻ ሰሚዔ። እምበኣርሲ እቶም ጓሶትካ ምሳና እዮም ዝነበሩ፡ በቲ ኣብ ቀርሜሎስ ዝነበሩሉ ዅሉ ጊዜ ኣየስተሐፈርናዮምን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይጠፍኦምን

8. ንገላዉኻ ጠይቆም፡ ንሳቶም ከኣ ኪነግሩኻ እዮም። ብጽብቕቲ መዓልቲ መጺእና አሎና እሞ፡ እዞም ኣጕባዝ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ ይርከቡ፡ በጃኻ፡ ኣብ ኢድካ እተረኽበ ንገላዉኻን ንወድኻን ዳዊትን ሀቦም

9. እቶም ገላዉ ዳዊት ምስ መጹ ድማ፡ እዚ ነገርዚ እዚ ዅሉ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎስቕ ከኣ በሉ።

10. ናባል ድማ ነቶም ገላዉ ዳዊትዳዊት መን እዩ፧ ወዲ እሴይከ መን እዩ፧ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላዉ ብዙሓት እዮም።

11. እንገኢራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢሉ ዝሐረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ፧ ኢሉ መለሰሎም።

12. እቶም ገላዉ ዳዊት ድማ መገዶም ተመልሱመጺኦም ድማ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ነገርዎ

13. ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰቡነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዐጠቑበለ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሴፉ ተዐጥቀ፡ ዳዊትውን ሴፉ ተዐጥቀደድሕሪ ዳዊት ከኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ደየቡክልተ ሚእቲ ኸኣ ኣብ ኣቓሑ ተቐመጡ

14. ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ከምዚ በላ፡ እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረካ ንጐይታና ሰላም ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ሰጐጎም

15. እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣናስ ብዙሕ ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፡ ኣየስተሐፈሩናንውን፡ በቲ ኣብ በረኻ ምሳታቶም እተማላለስናሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን።

16. እቲ ኣባጊዕ ክንጓሲ ምሳታቶም ከሎና ለይቲ ዀነ፡ መዓልቲ ዀነ፡ ኵሉ ጊዜ መካበብያ ዀይኖምና ነበሩ።

17. ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይኽእል ወዲ ብልያል እዩ እሞ፡ ሕጂ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ተመዲብዎ አሎ፡ ስለዚ ርአዪእትገብርዮ ኸኣ ፍለጢ

18. ሽዑ ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራ ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዐነቶ።

19. ንግዙኣታ ኸኣ፡ ቀቅድመይ ሕለፉ፡ እኔኹ፡ ክስዕበኩም እየ፡ በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን

20. ኰነ ድማ፡ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ነቲ ኸረን ብኸውለ ኸውሊ ኽትወርድ ከላ፡ እንሆ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኪቃባበልዋ ወረዱ፡ ንሳ ድማ ተጓነፈቶም

21. ዳዊት ከኣ ከምዚ ኢሉ ነበረ፡ ናይዚ ጥሪት ኵሉ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዘለዎ ዅሉ ገለ እኳ ኸይጠፍኦንኸንቱ ጥራይ ሐሎኹሉ። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ መለሰለይ

22. ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ፡ ካብ ዘለዎ ዅሉ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን፡ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ሐዲገስኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት ከምዚ ይግበሮም ከምዚውን ይወስኮም

23. ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶቀልጢፉ ኻብ ኣድጊ ወረደት፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገጻ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት።

24. ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ በለቶ፡ ኣታ ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን፡ በጃኻ፡ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረብዘረባ ገረድካውን ስማዕ

25. ጐይታይ፡ ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ፡ ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ እልምን አሎኹ። ስሙ ናባል እዩ እሞ፡ ጽላለ አለዎ፡ ከምቲ ስሙ፡ ንሱ ኸምኡ እዩ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለአኽካዮም ናይ ጐይታይ ኣጕባዝ ኣይርኤኽዎምን

26. ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ እቲ ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዘድሐነካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ድማ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ክፉእ ዚደልዩሉን ከም ናባል ይኹኑ።

27. ሕጂ ኸኣ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጽ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጕባዝ ይወሀብ

28. ጐይታይሲ ውግእ እግዚኣብሄር ዚዋጋእ ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ዕድሜኻ ኣባኻ ገለ ኽፉእ ኣይርከብን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ጽንዕቲ ቤት ከም ዚሰርሓሉ ርግጽ እዩ። እምበኣርሲ በጃኻ፡ በደል ገረድካ ሕደገላ

29. ሰብ እኳ ኺሰጐካን ንነፍስኻ ኺደልን እንተ ተንስኤነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ንነፍሳት ጸላእትኻ ግና ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን

30. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ጽቡቕ እተዛረበካ ምስ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ሓለቓ ኽትከውን ምስ እዘዘካ

31. እቲ ንጹህ ደም ምፍሳስን ሕነ ምፍዳይን ጐይታይን ንዕንቅፋትካን ንምስቃቕ ልቢ ጐይታይን ኣይኹንካ። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፡ ንገረድካ ዘክረኒ

32-34. ሽዑ ዳዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፉእ ከይገብረኪ ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽኣእምሮኪ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝከልከልክኒ ብርኽቲ ዅኒ፡ በላ

35. ዳዊት ድማ እቲ ዘምጽኣትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉስርአዪዘረባኺ ሰሚዔገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ፡ ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢበላ

36. ኣቢጋይል ድማ ናብ ናባል መጸት፡ እንሆ ኸኣ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ምሳሕ ኣብ ቤቱ ነበሮ። ልቢ ናባል ድማ ተሐጐሰ፡ ኣዝዩ ሰኺሩ ኸኣ ነበረ። ስለዚ ንጽቢሒቱ ኽሳዕ ዚበርህይንኣስ ይዕበ ገለ እኳ ኣይተዛረበቶን

37. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጸሉሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገርቶ። ሽዑ ልቡ ኣብ ውሽጡ ሞተ፡ ከም እምኒውን ኰነ፡

38. ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዚአክል እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖሞተ ኸኣ።

39. ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኻብ ኢድ ናባል ዝበጽሓኒ ውርደት ዝፈረደለይንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ይባረኽ። እቲ ኽፍኣት ናባል ከኣ እግዚኣብሄር ናብ ርእሱ መለሰሉበለዳዊት ድማ ብዛዕባ ኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ልኢኹ ተዛረባ

40. እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ንቀርሜሎስ ናብ ኣቢጋይል መጺኦም፡ ዳዊት ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኺወስደኪ ኢሉ፡ ናባኺ ልኢኹናኢሎም ነገርዋ

41. ሽዑ ንሳ ተንሲኣ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፍኤት፡ እኔኹ ገረድካንምሕጻብ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ግዝእቲ እኹን፡ ድማ በለት

42. ኣቢጋይል ከኣ ቀልጢፉ ተንስኤትኣድጊ ድማ ተወጥሔትሓሙሽተ ኣግራዳ ኸኣ ይስዕባኣ ነበራ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ከደትሰበይቱ ኸኣ ኰነት።

43. ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል ወሰዳክልቲኤን ከኣ ኣንስቱ ዀና።

44. ሳኦል ግና ጓሉ ሚካልሰበይቲ ዳዊትንፋልጢ ወዲ ላይሽ በዓል ጋሊምሂብዎ ነበረ።