1. ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ገላዉኡን ንዳዊት ኪቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ኣብ ዳዊት ብዙሕ ፍቕሪ ነበሮ።

2. ዮናታን ከኣ ንዳዊትኣቦይ ሳኦል ኪቐትለካ ይደሊ አሎ፡ ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ጽባሕ ተጠንቀቕ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኣግሊስካውን ተሐባእ

3. ኣነ ኸኣ ኣብታ ንስኻ ዘሎኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፡ ኣነ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፡ ገለ እንተ ርኤኹውን ክነግረካ እየ፡ ኢሉ ነገሮ።

4-5. ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦልዳዊት ኣይበደለካን፡ ግብሩ ኸኣ ንኣኻ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎእግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን ነዚ ርኢኻ ተሐጐስካ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታልካ ኣብ ንጹህ ደም እትሐጥእ፧ ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረበ

6. ሳኦል ከኣ ዘረባ ዮናታን ሰምዔ፡ ሳኦል ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ ኣይመውትን እዩ፡ ኢሉ መሐለ

7. ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ፡ ዮናታን ከኣ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።

8. መሊሱ ድማ ውግእ ኰነ። ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤብርቱዕ ስዕረትውን ሰዐሮም፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ሀደሙ

9. እቲ ኽፉእ መንፈስ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ንሱ ዅናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ።

10. ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዅናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ደለየ፡ ንሱ ግና ካብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፡ እቲ ዅናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለዳዊት ከኣ ሀዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ

11. ሳኦል ድማ፡ ሕልው ሐዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎስ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሐንካጽባሕ ክትመውት ኢኻ፡ ኢላ ነገረቶ

12. ሚካል ከኣ ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ፡ ንሱ ኸደሀዲሙውን ኣምለጠ

13. ሚካል ድማ ምስሊ ጣኦት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ መኼዳ ጸጒሪ ጤል ገበረትሉክዳንውን ከደነቶ

14. ሳኦል ንዳዊት ኬምጽእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፡ ንሱ ሓሚሙ አሎ፡ በለት

15. ሽዑ ሳኦል፡ ምእንቲ ክቐትሎስብዓራት ጌርኩም ኣደይቡለይኢሉ ንዳዊት ኪርእይዎ ነቶም ልኡኻት ሰደዶም

16. እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ እንሆ፡ እቲ ምስሊ ጣኦት መኼዳ ጸጒሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ።

17. ሽዑ ሳኦል ንሚካል፡ ስለምንታይከ ነቲ ጸላእየይ ኬምልጥ ይኺድ ብምሕዳግኪ ዝጠበርክኒበላሚካል ከኣ ንሳኦል፡ ንሱ፡ ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰነስ ክቐትለኪ እየ፡ ኢሉኒ፡ በለቶ

18. ዳዊት ድማ ሀዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ኸኣ መጸ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ዅሉ ድማ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ከኣ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ተቐመጡ

19. ንሳኦል ድማ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ

20. ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከኣ፡ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዚመርሖም፡ ጉባኤ ነብያት ኪንበዩ ምስ ረአዩመንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል ድማ መጸ፡ ንሳቶም ከኣ ተነበዩ

21. እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ድማ ተነበዩ

22. ሽዑ ንሱ ናብ ራማ ኸደ፡ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዔላ ምስ መጸ ድማ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ኢሉ ጠየቐ። እነሆ ኣብ ናዮት ናይ ራማ አሎ በሎ

23. ንሱ ኸኣ ናብኡ፡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኸደ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ መጸ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ እናተነበየ ኸደ

24. ንሱ ድማ ክዳውንቱ ደርብዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየጥራዩ ዀይኑ ኸኣ መዓልቲ መላእን ለይቲ መላእን ወዲቑ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ ይብሉ አለዉ።