1. ሳሙኤል ድማ ንብዘለዉ እስራኤል በሎም፡ እንሆ፡ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓልኩም ሰሚዔ፡ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንገስኩ

2. ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ቐቅድሜኹም ዚኸይድ ንጉስ እንሆ፡ ኣነ ድማ ኣሪገ ሸየብኩደቀይ ከኣ እነዉ ምሳኻትኩም አለዉ። ኣነ ድማ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም እኸይድ ነበርኩ።

3. እኔኹ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩብዕራይ መን ወሰድኩ ወይ ኣድጊ መን ወሰድኩ፡ ወይስ ንመን ዐመጽኩ፡ ንመን ኣጥቃዕኩዓይነይ ከዑረሉ ኢለኸ ኻብ ኢዱ መማለዲ እተቐበልክዎዶ አሎ፧ እሞ ኽመልሰልኩም

4. ንሳቶም ከኣ፡ ኣይዐመጽካናን ኣየጥቃዕካናን ድማ፡ ካብ ኢድ ሰብውን ገለ እኳ ኣይወሰድካንበሉ

5. ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ኸም ዘይረኸብኩምለይሲ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ምስክር እዩ፡ ቅቡኡውን ምስክር እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ምስክር እዩ በሉ

6. ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝገበሮም ነቦታትኩም ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ንሱ እዩ።

7. እምበኣር ሕጂስ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩን ዝገበሮ ዅሉ ጻድቕ ግብርታቱ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምሲደው በሉ።

8. ያእቆብ ኣብ ግብጺ ምስ አተወኣቦታትኩም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለአኾም፡ ንሳቶም ከኣ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም

9. ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄርኣምላኾም ረስዕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም

10. ሽዑ፡ ንእግዚኣብሄር ሐዲግናስ ንበዓሊምን ንኣስታርቴታትን ብምግልጋል በዲልና ኢና እሞ፡ ሕጂ ግና ካብ ኢድ ጸላእትና ኣድሕነና፡ ንሕና ድማ ከነገልግለካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ

11. እግዚኣብሄር ከኣ ንየሩብ-በዓልን በዳንን ይፍታሕን ሳሙኤልን ልኢኹ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ዘለዉ ጸላእትኹም ኣድሐነኩምሀዲእኩም ድማ ተቐመጥኩም

12. ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ከም ዚመጸኩም ምስ ርኤኹም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡ ኣይፋል፡ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስበልኩምኒ

13. ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሐሬኹምዎን ንጉስእግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ሂቡኩም፡ እንሆ።

14. ንእግዚኣብሄር እንተ ትፈርህዎን እንተ ተገልግልዎን ቃሉውን እንተ ትሰምዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ዘይአቤኹምዎ፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ድማ ደሓን።

15. ግናኸ ንቓል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰማዕኩምንትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ኣቤኹምዎ፡ ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ከምቲ ነቦታትኩም እተጻረረት፡ ንኣኻትኩም ድማ ክትጻረረኩም እያ።

16. ሕጂ ኸኣ ደው ኢልኩም ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዚገብሮ ዓብዪ ነገር ርአዩ

17. ሎምስ ጊዜ ዓጺድ ስርናይዶ ኣይኰነን፡ እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትርእዩንሲንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነጒድን ዝናምን ኪሰድድ እዩ።

18. ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖእግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጒድን ዝናምን ሰደደ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርሁ

19. ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስንጉስ ብምልማንና እዚ ኽፉእ እዚ ድማ ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ስለ ገላውኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልናበልዎ

20. ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ በሎምኣይትፍርሁ፡ ምግባርሲ እዚ ዅሉ ኽፉእ እዚ ንስኻትኩም ጌርኩምዎ ኢኹም፡ ግናኸ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣይትዝበሉ፡ ብምሉእ ልብኹም ድአ ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ

21. ነቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑንከንቱ ስለ ዝዀኑ፡ ምስዓቦም ከንቱ እዩ እሞ፡ ኣይተግልሱ

22. እግዚኣብሄር ህዝቡ ኺገብረኩም ፈትዩ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ።

23. ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እባ ደኣ ኽምህረኩም እየ እምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ

24. እቲ ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ርአዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ፍርሁ፡ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከኣ ኣገልግልዎ

25. ቀጺልኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።