1. ናሓሽ ዓሞናዊ ድማ ደዪቡ ንያቤስ-ጊልዓድ ከበባ። ኵሎም ሰብ ያቤስ ከኣ ንናሓሽክንግዝኣካስ ኪዳን እተወልናበልዎ

2. ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ኸኣ፡ የማነይቲ ዓይኒ ኵልኹም ብምንቋርበዚ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እስራኤል ነውሪ ኽገብር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝአቱ፡ በሎም።

3. እቶም ዓበይቲ ያቤስ ከኣ፡ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲሾብዓተ መዓልቲ ኣቋጽረናዜድሕነና ዜልቦ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ሽዑ ናባኻ ንወጽእበልዎ

4. እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ናይ ሳኦል ጊብዓ መጹ፡ እዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ ኣእዛን እቲ ህዝቢ ተዛረቡ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ

5. እንሆ ድማ፡ ሳኦል ደድሕሪ ኣብዑር ካብ መሮር ይአቱ ነበረ። ሳኦል ከኣ፡ እዚ ህዝቢ ዚበኪ ዘሎ እንታይ ከይኑ እዩ፧ በለ። ንሳቶም ድማ እቲ ዘረባ ሰብ ያቤስ ነገርዎ

6. ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ምስሰምዔመንፈስ ኣምላኽ ወረዶኵራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ

7. ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራሪጹ፡ እቲ ወጺኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብኣብዑሩ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም፡ ኢሉ ብኢድ ልኣኻት ገይሩ ናብ ብዘሎ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። ሽዑ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ፡ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ከኣ ወጹ

8. ኣብ ቤዜቅ ከኣ ቈጸሮም እሞ ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕይሁዳ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰኑ

9. ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ በልዎምንሰብ ያቤስ - ጊልዓድጽባሕ በርቂ ጸሓይ ምድሓን ክትረኽቡ ኢኹም፡ ኢልኩም በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ መጺኦም ንሰብ ያቤስ ነገርዎም፡ ንሳቶም ከኣ ተሐጐሱ

10. እቶም ሰብ ያቤስ ከኣ፡ ጽባሕ ክንወጸልኩም ኢና፡ ሽዑ ኸምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩናበሉ

11. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ብጊዜ ሓለዋ ወጋሕታ ኸኣ ናብቲ ሰፈር አትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ቀተልዎም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካባታቶም ዝተረፉ ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ በሉ።

12. ሽዑ እቲ ህዝቢ ንሳሙኤል፡ እቲ ሳኦልዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ፡ ዝበለ መን እዩ፡ ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምጽእዎምበለ

13. ሳኦል ግና፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትንበለ

14. ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡ ኣብኡ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ንሐድሶበሎ

15. ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጊልጋል ከዱ፡ ኣብኣ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸኣ ሳኦልን ኵሎም ሰባት እስራኤልን ብዙሕ ተሐጐሱ