ንኸንቱ ኮይኑ አይተረፈን

Posted on 2013-04-24 · 1193 · 0 · 0

12 resources uploaded

ዝርእዮ ዝነበርኩ እንተመሰለ ዘይልወጥ
መመሊሱ ክጽልምት ንተስፋይ ክውሕጥ
ቀባሕባሕ እንዳበልኩ የማነጸጋም
እናሓተትኩ ንነብሰይ ምእማነይ ድዩ እቲ ጸገም፧

እምነተይ ግን ንኸንቱ ኮይኑ አይተረፈን
ኤልሻዳይ መጽዩ ቁስለይ ክዝንን
ታሪኸይ ክልወጥ ክጽብቖ
ዝፈልጠኒ ምልላየይ ክሳዕ ዝስእን

አቤት ለውሃት ክኽእለሉ ምዝናን
ምትሳእ እንደገና ንልቢ ምሕባን
ጸግኡ ብምሃብ ንምጽላይ ንምእማን

አጆኻ ሓወይ ከንቱ አይኮነን ምጽባይካ
ብፍጥነትካ ክግለጽዩ ንምርዳእካ
ሱቕ እንዳበለ ንቑሩብ ግዜ’ዩ ንምጽራይካ
ብ ዕጽፊ መታን ክትርአ ደሚቑ ፍሬኻ

አጆኺ ሓፍተይ እሱ አይኮነን መወዳእታኺ
አምላኽ ሃና መጽዩሎ ክደርዝ ንብዓትኪ
ንመንግስቲ ሰይጣን ዘሸብሩ ነብያት ክወጹዮም ካብ ማህጸንኪ
ብእምነት ደውበሊ ተኸናኸንዮ ራኢኺ

0 comments
Other Poem