ገምጋም መጽሓፍ ታሪኽ ቤተክርስትያን 2

Posted on 2021-12-26 · 1115 · 0 · 0

122 resources uploaded

ብኣሮን ገብረስላሴ

ኣርእስቲ፦ ታሪኽ ቤተክርስትያን-2
ጸሓፊ፦ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ
ብዝኂ ገፃት፦ 409

እዙኣ መጽሓፍ መቐጸልታ ናይ ቀዳመይቲ ክፋል ኰይና ካብ 500 ዓ/ም ክሳብ 1500 ዓ/ም ንዘሎ ታሪኽ ክርስትና ትገልጽ። ነታ መጽሓፍ ክፍት ኣቢልካ ክትነብብ ምስ ጀመርካ ብዙኅ ነገራት እዩ ዝስወጠካ፡ ታሪኽ ብዙኅ ነገራት ዝሓቆፈ ክፋል ሕይወትና ስለ ዝዀነ ኣገዳስነቱ ዓቢይ እዩ። እዙኣ መጽሓፍ ሸብዓተ ዓበይቲ ምዕራፋት ዘካተት ኰይና ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኸኣ ብዙኅ ንኡሳን ኣርእስታት ኣለዋ። ድኅሪ ውድቀት መንግሥቲ ሮማ ክርስትና ኣብ ኤውሮጳ ከመይ ቢሉ ከም ዝተስፋሕፍሐን ዝነበሮ ብድሆታት ብዕምቆት ይድህስስ። ኣርእስቲ መጽሓፍ “ታሪኽ ቤተ ክርስትያን 2” ዝብል እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጣ ግና ብዛዕባ ሓይማኖ-ፖለቲካዊ ልፍንትን፡ ቁጠባዊ ጽልዋታትን፡ ጸቕጢ ነገሥታትን፡ ካብ ወንጌል ወፂኦም ናቶም ክልሲ-ሓሳባት ዘማዕበሉ ሰባትን፡ ፈጠራዊ ምህዞታት ማእከላይ ዘመንን፡ ፍልስፍናዊ ኣምራት ክርስትናን፡ ሥነ-ፍልጠታዊ ርኽበታትን ንረክብ። ኣተስፋውን ኣኅዛንን ፍፃሜታት ቤተ ክርስትያን ዝጠርነፈት መሳጢት መጽሓፍ እያ። ጸሓፊ ንታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብኣወንታውን ኣሉታውን ጎድኑ ከርኤና ክኢሉ እዩ፡ ንታሪኽ ከም ዘለዎ ከቐምጦ ብምኽኣሉ ዝነኣድ ሥራሕ እዩ። ስዒቡ ዝቐርብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ጽሟቕን ገምጋማዊ ትኅዝቶን እዩ።

@1፦ ምስፍሕፋሕ መንግስታዊ ክርስትና

ጸሓፊ ክርስትና ኣብ ማእከላይ መዋእል እንታይ ዓይነት ጽልዋ ከም ዝነበሮ ይእንፍት እሞ ዘጋጠሞ ረጽምታትን ድማ ማዕረ ማዕሪኡ ይትንትን። ንማእከላይ መዋዕል ካብ ጎርጎርዮስ ሣልሳይ ከም ዝጅምር ይገልጽ እሞ ብኻልእ ሸነኽ ዝርእይዎ ከም ዘለዉ ኸኣ ይትንክፍ። ኣብ ማእከላይ መዋዕል ሕዝቢ ኤውሮጳ ድምፂ ኵናትን ጭድርታ ወረርቲ ዝሰምዓሉ ጊዜ ብምንባሩ ክርስትና ነቱ ኂዝዎ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ወንጌል ከም ዝጸለዎ የቕርብ። ኣብዙ መዋእል ስብከት ወንጌል ኣዝዩ ደኺሙ ብምንባሩ ብዙኅ ዓይነት ኣጉል-እምነታት ክትንሥእ ኣኽኢልዎ እዩ። ምስቶም ኣቀዲሞም ዝነበረሉ ንጒዓት ሥነ-መለኮታውያን ከም እኒ ኣጎስጢኖስን፡ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስን፡ ዮሓንስ ኣፈወርቂን፡ እቱ ናይዚ መዋዕል ክርስትና ባይታ ዝዘበጠሉ ክበሃል ይከኣል። ናይቱ ጊዜ መነኮሳት ዛንታታት ጻድቃን ኣብ ምጽሓፍ ከም ዝተዋፈሩ ይሕብር። ብዙኅ ተርእዮታት ዝነበረሉ ከም እኒ ሽርክነት ቤተ ክርስትያን ነገሥታት ፍራንክን፡ ካብ ዓሌታውን ቀቢላውን ኅብረተ-ሰብ ናብ ከተማዊ ኅብረተ-ሰብ ዝማዕበለሉ ጊዜ ምዃኑ ሓደ ካብቲ ጸላዊ ክፋል ታሪኽ እዩ። መንበረ ጵጵስና ሮም ካብ ዘተንሥኦ ሓደ ነገር እንተ ደኣ ኣልዩ፡ “ጵጵስናዊ ልዕልና” ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን፡ እዙ ኸኣ ተኸተልቲ ልዮ ዘስዓብዎ ሓሳብ ምዃኑ ይነግር። በዙ መሠረት ኸኣ ክርስትያናት ሮማ ዓቢይ ሓይማኖ-ፖለቲካዊ ግዝኣት ዘለዎ ምልከ-እግዚእ ምስቲ ምድራዊ ሓፀይነት ከም ዘተንሥኡ ይነግር። ጸሓፊ ሓደ ካብቱ ኣዝዩ ዝነኣድ ሥርሑ ንኣወንታዊ ኣበርክቶ ይንእድ ነቱ ኣሉታዊ ጎድኑ ድማ ምሁራን ብዛዕብኡ እንታይ ቢሎም ከም ዝነቕፉ የቕርብ። ናይ ወልሓደ ጸግዒ ከይኃዘ ስለ ዝጸሓፍ ብዙኅ መጽናዕትን ጊዜ ከም ዝወሰደትሉን ክንግንዘብ ንኽእል ኢይና። ከም ምሁር መጠን ድማ ንኣስኮላዊ ብስለቱ (Academic integrity) ዘርኣየትኒ ክብላ ይደፍር። ሜሶናዊ ኣበርክቶን ፖለቲካዊ ኣተኣላልያን ጎርጎርዮስ የድንቖ። ኣብዛ መጽሓፍ ብግህዶ እንርእዮ ቤተ ክርስትያን ቤተ መንግሥትን ንሕድሕደን ይጸላለዋ ምንባረን፡ ክሳብ ክትፈላልየን ዘይትኽእለ ደረጃ ከም ዝበጽሓ ይትንትን። ኣብ መጀመርታ ሻምናይ ክፍለ ዘመን (ክ/ዘ) ብዙኅ ምንቕስቓስ ናይ ኣዕነውቲ ኣሳዕል (ኣይኮኖክላዝም) ከም ዝነበረ ይገልጽ፡ ኣብዙ ግና ዘዕግብ ትንተና ኣይቐረበን ምኽንያቱ ጸሓፊ ትንክፍ ደኣ ኣቢልዎ እምበር ምሉእ ሥዕሊ ክህበና ኣይከኣለን። ዓቢይ ፍፃሜን ጒባኤ እውን ዝተሠርዓሉ ጒዳይ ስለ ዝዀነ ስፍሕ ዝበለ ትንተና ከቕርበሉ ተስፋ ገይረ ነይረ። ብዙኅ ሓደሽቲ ነገራት ዝተመሃርኩላ መጽሓፍ እያ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ከምዚ ዝብል እዩ፦ “ካብዚ ሃጸይ ትሕትና ዝተላዕለ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ብዛዕባ ንስሓ ኣብ ቅድሚ ቀሺ ሓድሽ ስብከት ጀሚራ። ኣሰር ናይ ሻርሜልን ስዓቡ እናበለት ከኣ ነቲ ሃጸይ ከም ኣብነት ኽትጠቕሶ ጀመረት” (ገፅ. 46)። ሓፀይ ሻርልሜይን ኣብ ቅድሚ ካህን ንስሓ ኣተኣታትዩ/ኣየተኣታተወን ዝብል መጽናዕቲ ከም ዘድሌኒ ኣበጊሱኒ ኣሎ። ጽልዋ ሻርልሜን ኣብ ፖለቲካዊ ከይዲ ጥራኅ ዘይኮነስ ኣብ ሥነ-መለኮታዊ ምውዕዋዕ ከም ዝተሣተፈ ይሕብር ንኣብነት ትምህርቲ ፊልዮኬ ከም ዘወዓውዐ ይጥቐስ። እዙ ትምህርቲ ንካቶሊካዊትን ምብራቕ ኦርቶዶክስን ዝገማምዐ ምዃኑ ኣብቲ ዝቕጽል ምዕራፋት ይትንትን። ቤተ ክርስትያን ኣብ ምዕራብ ዝነበራ መልክዓ ዘጥፍኣትሉ ጊዜ እዩ፡ ካብ ተፃዋሪት ናብ ገባቲት ምዃን ዝተሰጋገረትሉ እዩ። ጸሓፊ ዘለዎ ግልጽነት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ ነቱ ግቡእ ታሪኻዊ ህጸት እውን ከይሓብአ ይጽሕፍ፡ ቅዱስ ሓፀይነት ሮማ ንብዙኅ ነገራት ከም ዝደፋፍአን ኣብቱ ኅብረተ-ሰብ ድማ ንድኽነት ከም በረኸት ኪቑጽሩ ከም ዝገበሮም ይጽሕፍ። “እቶም ናይ ሽዑ ነገስታት ከይተረፈ፡ ቤተ ክርስትያን እትነግሮም ዝነበረት ቅኑዕ ዛንታታት ኮነ ፈጠራዊ ብሂላት ብዕሙት እምነት ይቕበልዎ ነበሩ” (ገፅ. 58)። ብዙኅ ዛንታታት ጻድቃን ዝጽሓፈሉ መዋዕል ብምንባሩ ብዙኃት ክርስትያናት ኣብ ከንቱ ተስፋታት ክውከሉ ከም ዝገበሮም ድማ የተንብህ። እቱ ዝገርም ቤተ ክርስትያን ንወንጌል ብወተሃደራዊ ድርኺት ክትሰብኰ ዝጀመረትሉ ጊዜ ምዃኑ የርምመካ ምኽንያቱ ክልቲኤን ጥቡቕ ምሕዝነት ነይርወን እዩ። እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ጥራኅ ዘይኮነስ ብዛዕባ ታሪኽ ዓለም እያ ኣቕሪባ። ሓፀያት ባይዛንታይን ምስ ሓፀያት ሮማ ዘተፋንኖም ዝነበረ ነገራት ክትፈልጥ ይገብረካ፡ ኣየናይ መንግሥቲ ምስ ኣየናይ መንግሥቲ ኣብ ኵናት ከም ዝተጸመደ ብግቡእ ምትርዳእ ይድግፈካ። መንግሥታዊ ረጽሚ ዓቢይ ክፋል ማእከላይ መዋዕል ከም ዝነበረ ጸሓፊ ብመርትዖ የረድእ። ሓድሽ ቃላት ወይ ድማ መብርሂ ዘድልዮ ነገራት ኣብ እግረ-ጽሑፍ ገይሩ የብርሃልና። ንሓደ መጐታዊ ሓሳብ ድማ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ተርጒሙ የብርሆ፡ በዙ ኸኣ ኣዝየ ፈትየያ ምኽንያቱ ኣብ መብዛኅቲአን ናይ ትግርይና መጻሕፍቲ ከምዚ ዝብሉ ኣለዉ፡ ገለ ካልኦት ኸኣ ከምቲ ይብሉ፡ እንዳ በሉ ይጽሕፉ መን ከም ዝበሎ፧ ወይ ኣበይ ከም ዝረኸብዎ መወከሲ ከየቐመጡ፧ ብተኣማንነት ይድሕድሕዎ ። ዶ/ር ኣማኑኤል ከምኡ ዓይነት ወራዊ ዝዀነ ኣጸሓሕፋ ብዘይምጥቓሙ ብሉጽ ሥራሕ ሠሪሑ፡ ንዝብሎ ብመርትዖ የራጒዶ። በዙ ኸኣ ብዙኅ መጽናዕትን ድኻምን ከም ዝገበረላ ክርእይ ክኢለ። ጽሟቕ ትኅዝቶ ኣብ መደምደምታ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ይጠቓልለልና፡ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ መከፍ ምዕራፍ ዝተጠቐመሎም መወከሲ ጽሑፋት ብመሥርዕ ይቐምጦም። ነዛ መጽሓፍ ካብቱ ልሙድ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ጸብለል ክትብል ድማ ጌርዋ እዩ ምኽንያቱ ነዛ መጽሓፍ ምስ ነበብካ ካልኦት ዝተጠቕሳ መጻሕፍቲ ክትገዝእ ትግደድ ኢኻ።

@2፦ ጥንታዊ ሚስዮናዊ ተልእኾታት

ቅዱስ ሓፀያዊ ሮማ ንተልእኾ ወንጌል ኣብ ዘዳኸመሉ ጊዜ ገለ መነኮሳት ብቕንኢ ንስብከት ወንጌል ዝተዋፈሩ ከም ዝነበሩ ይሕብር። ኣብ መፋርቕ ማእከላይ መዋዕል ሚስዮናዊ ተልእኾታት ብሰፊሕ ዓወት ክግስግስ ተራኣየ። ሥልጣነ ደቂ ሰባት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ለጠቕ ኣብ ዝበለሉ ጊዜ፡ ክርስትና ብዙኅ ብድሆታት ከም ዝገጠሞ ይገልጽ። ወንጌል ክርስቶስ ምብጻሕን ነቲ ባርባራዊ ሕዝብታት ብትምህርቲ ምሥልጣንን ነበረ። ኣብዙ መዋዕል ቤተ ክርስትያን ናብ መላእ ምዕራብ ክትበጽሕ ዝኸኣለትሉ መድረኽ እዩ። ኣበይ ከም ዝበጽሐ ሓደ ብሓደ ይድህስሶ፡ ብዓዲ እንግሊዝ ጀሚሩ ክሳብ ሩስያ ብዕምቘት ይገልፆ። ኢንግላንድ ዝብል ቃል በቶም ኃምሻይን ሻድሻይን ዘመናት ንምድሪ ብርጣንያ ዝወረርዋ ዓሌት ኣንጐሎ ሳክሶን ብስም ቛንቋኦም ኢንግላንድ (ኣንግል ላንድ) ከም ዝበልዋ ይትንክፎ። ጸሓፊ ንታሪኽ ክርስትና ጥራኅ ዘይኮነስ ንታሪኽ እተን ክርስትና ዝተቐበላ ሃገራት የተንብሃልና፡ ኣብ ታሪኽ ከም ዝግደስ መጠን ኸኣ ካብቲ ዝማረኸኒ ትኅዝቶ እዙኣ መጽሓፍ እዩ። ክርስትና ብቐሊሉ ናብ ኢንግላንድ ክዝርጋሕ ከም ዝኸኣለን ምስኡ ኂዝዎ ዝመፀ ግና ሓይማኖት ጥራኅ ዘይኮነስ ኵሉ ሮማዊ ባህሊ ከስርጽ ከም ዝኸኣል ንነብብ። በዚ ከይተዓገተ ድማ ናብ ኣየርላንድን ስኮትላንድን ከስፋሕፍ ከኣለ፡ ሓደ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ዶ/ር ኣማኑኤል ደስ ካብ ዝበለኒ ኸኣ ክልተ ተፃረርቲ ሓሳባት የቕርብ እሞ ነቲ መርትዓዊ ዝዀነ ንኽንቕበልን ነቲ ካልኣይ ሓሳብ ድማ ብግቡእ ክንርድኦ ይገብረና። ንኣብነት ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ፦ “ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሰዓብቲ ፔላጂዮስ፡ ኣየርላንዳዊ ካየለስቲዮስ ነበረ። ንሱ በዚ ደረጃ'ዚ ንረቂቕ ስነመለኮት ክርስትና ዜስተውዕል ካብ ነበረ፡ መልእኽቲ ወንጌል ድሮ ኣብታ ሃገር በጺሑ ነይሩ ዚብል ግምት ኣሎ። እንተኾነ፡ ታሪኽ እታ ሃገር ካብ ዝፍለጥ ጀሚሩ፡ ፓላዲዮስ ዝተባህለ ካቶሊካዊ ሚስዮናዊ ብ431 ዓ/ም ናብታ ሃገር ተላኢኹ ዝገበሮ ዕዮ ከምዘይሰለጦ እሞ፡ ካብታ ሃገር ከምዝሰሓበ እዩ ዚግለጽ” (ገፅ. 83)። ክልተ ዓይነት ኣረኣእያ ኣለዉ ክልቲኦም ኣብ ሚዛን የቕርበልና፡ ናይ ሓደ ግቡእ መጽናዕቲ ዝገበረ ሰብ ባህሪ እዩ። ክርስትና ብንጥፈት ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዝነበረ ጊዜ ሰሜን ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ኢድ ቫንዳላውያን ከም ዝወደቐት ይነግረና። ኣዝዩ ኣገራሚ ታሪኽ ናይ ሕጂ ፈረንሳ የቕርብ፡ ወራር ፍራንካውያን ንጎውል ናብ ፍራንክያ ከም ዝለወጣ ብመርትዖ ይጽሕፍ። እቱ ቀዳማይ ስጒምቲ ናይ ጥምቀት ስማዊ ደኣ እምበር ኣማናዊ ክበሃል ከም ዘይክእል ይገልጽ፡ ድኂሩ ኣበርክቶ ኮሉምባኑስ ኣብ ምዝርጋሕ ወንጌል ዓቢይ ምዃኑ ይሕብረና። እዙ ቝልዒ ዝዀነ ሜስዮናዊ ተልእኾ ኣብ ስካንዲንዝያ ባይታ ዝጣጥሐ ምዃኑ ንግንዘብ። ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ክርስትና ብፍጥነት ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ብብዙኅ ግድል ከም ዝተዘርግሐ ንነብብ፡ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ሰሚዐዮም ዘይፈልጥ ኣስማት ዓሌታት ይረክብ ነይረ። በዚ ድማ ብዙኅ ሃጓፍ ናይ ታሪኽ ተመሊኡለይ ክብል ይኽእል። ቀፂሉ ምምፃእ እምነት እስልምና የቕርብ፡ መሓመድ ነቢይ እስላም ኣበይ ተወሊዱ፧ ኣበይ ቦታ ዓብዩ፧ ኣብ ሕፃንነቱ ዝርእዮም ዝነበሩ ነገራት ንሓሳቡ ከመይ ጸልየሞ፧ ዝብል ሕቶታት ብዝግባእ ይምልስ። ብዛዕባ እምነት እስልምና ንመጀመርታ ከጽንዕ ዝደሊ ሰብ ጥጡሕ ባይታ ተንጽፍ ይመስለኒ። ነቱ ዓንዲ ሕቆ እምነት እስልምና ዝዀነ እምነት ተዋሒድ ብኸመይ ከም ዝጨበጥዎ ይኸስት። ኣብቱ ጊዜ ኣብ ፍልስጥኤም ዝነበሩ ክርስትያን ዘርእይዎ ዝነበረ ኣምልኾ ንመሓመድ እቱ ግቡእ ሥዕሊ ክርስትና ከይወስድ ከም ዝገበሮ እሞ በዙ ተደሪኹ ክርስትና ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዝኣምን ከም ዘይኰነ ክቛወምን ናይ ባዕሉ ዝዀነ እምነት ከፍሉቕ ዝተራኣየ። መሓመድ ብመልኣኽ ግልጸት ከም ዝረኸበ ተኸተልቲ እስልምና ይኣምኑ፡ ዶ/ር ኣማኑኤል ነዙ ካብ መጻሕፍቶም ብምቕራብ ከረድኣና ይፍትን። እዙ እምነት ክትንሥእ እንከሎ ሰላማዊ ዝመስል እኳ እንተ ነበረ ድኃር ግና ብዙኅ ዕንወት ዘርኣየ ምዃኑ ነንብብ። መሓመድ ካብ ዝነበሮ ዓዲ ከም ዝተሰደደን ኣብ ካልእ ሃገር ዕቝባ ከም ዝረኸበን ድኃር ግን በቱ ቅዱስ ኵናት ዝብሎ ወራር ደጊሙ ከም ዝተመለሰ የአንፍት። ብኻሊፋ ዝፍለጡ ተካእቲ ናይ መሓመድ ንእምነት እስልምና ናብ ካልእ ጨንፈራት ከም ዝፈላለዩ ንነብብ። ወረርቲ ኣስላም ድማ ነቲ ቀንዲ መደበር እስልምና ዝነበረ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ከመስልሙን ንክርስትና ክርሕርሑ ጸቕጢ ከም ዝገበረ የዘንቱ። እዙ መዋዕል ጸልማት ዘመን ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ፡ ትልኽ እንዳ በለ ዝኸይድ ዝነበረ ሜሶናዊ ተልእኾታትን ድኂሩ ዝተላዕለ እምነት እስልምና መሊሱ ዘጋደዶን ዝበደሆን ክስተት ክኽውን ኣኽኢልዎ እዩ።

@3፦ ዓብዪ ምምቃል፡ መስቀላውያን፡ ስኮላሳውያን

ኣብ መፋርቕ ማእከላይ መዋዕል ብዙኅ ታሪኻዊ ፍፃሜታት እንርእየሉ ጊዜ እዩ ብፍላይ ካብ 1000 ክሳብ 1300 ዓ/ም ንዘሎ ጊዜ ከም ዓቢይ ምምቃል፡ ወፍሪ መስቀላውያን፡ ምምትንሣእ ምህሮኣውያን። ኣብ 1054 ዘጋጠመ ዓቢይ ምምቕቃል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ መንጎ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ሮማ ካቶሊክን ይቐርብ፡ እተን ንብዙኅ ዘመናት ብሓደ ክጓዓዛ ዝጸንሓ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ምፍልላይ ኣትየን። ፊልዮኬ (ምስራጽ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦን ወልድን) ዝብል ትምህርቲ ብዶግማዊ ፍልልይ ክኸፍለን ክኢሉ እዩ፡ ጸሓፊ እውን ብግቡእ ተንቲንዎ ይርከብ። ፊልዮኬ ዓይነት ዝመስል ትምህርቲ ኣብ ጽሑፋት ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ቅዱስ ሂላሪ ዘፖትሬን ተኣማኒ ማክሲሞስን ክንረኽቦ ከም እንኽእል ግን ጸሓፊ ኣይገለጸልናን፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ እንተ ዝውሰኽ ክንደይ መምሓረ እብል። ምኽንያቱ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም ሓደ ክፋል መርትዖ ክትጥቐመሉ እትፍትን ስለ ዝነበረት፡ ንኣንባቢ ንፁር ክገብሮ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ንፊልዮኬ ግን “ሰራጼ ወልድ” ዝብል ኣይገልፆን እዩ፡ “ሰራጼ ዘእምወልድ” እንተ ዝኸውን ወይ ድማ ከም ዘለዎ ፊልዮኬ እንተ ዝጥቐም ይኃይሽ። ጸሓፊ ምኽንያት ምፍልላየን ሓቢሩና እንዳ ሃለወ ግን ብዛዕባ ጒባኤ ፍሎረንስ ገለ ከይበለ ምኅላፉ ዓቢይ ሃጓፍ ፈጢሩ ክብል ይደፍር። ኣበርክቶ ማርቆስ ብዓል ኤፌሶን ኣብ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ዓቢይ ስለ ዝዀነ፡ ንሱ እውን ከም ሓደ ጅግና ናይ እምነት እዩ ዝርአ እሞ ከራጒዳ ይኽእል እዩ። ኣዝዩ ዘኅዝን ዘቘጥዕን ተግባራት መስቀላውያን ኣብ ልዕሊ ምብራቓዊት ማኅበር ዘገብርዎ ዝነበሩ ግህሰትን ጽያፋትን ከም ዘለዎ ተቐሚጡ ንረኽቦ። እቱ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ብፍላይ ኸኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፀሊም በሰላ ዝገደፈ ወርፊ መስቀላውያን እዩ። ዕላማን ድርኺትን መስቀላውያን እንታይ ከም ዝነበረ ልዕሊ እዙኣ መጽሓፍ ብቛንቋ ትግርይና ኣይረኣኹን። ስብከት ጳጳስ ዳግማዊ ኡርባኖስ ከም ዘለዎ ኣቕሪብዎ ይርከብ፡ ክትነቦ ዘጒሂ ቅዱስ ኵናት ዝእውጅ። እዙ ወፍሪ ንብዙኃት ሰባት ሰነድ-ምሕረት ከም ዘውህብ ከእምንዎም ስለ ዝኸኣሉ ዓቢኦምን ንእሽቶኦምን ትሽዓተ ዞር ናብ የሩሳሌም ከም ዝገስገሱ ይእንፍት። ኣብ ገሊኡ እዋናት ነገሥታት መስቀላውያን ንኣስላም ስዒሮም ኣብ ቅድስቲ ከተማ ከም ዝበጽሑ የረደኣና፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ተሣዒሮም ዘለዎም ዓቕሚ ሰብ ጸንቒቆም ናብ ዓዶም ከም ዝተመለሱ ይነግረና። እዙ ሓደ ካብቲ ዘኅዝን ፍፃሜ ክርስትና እዩ፡ እቱ ንመስፍን ሰላም የምልኽ እየ ዝብል ሰብ ሰይፊ ኂዙ ሰባት ክሓርድ ክትርእዮ ዘገርም ፍፃሜ እዩ። ሓይማኖትን ፖለቲካን ብሓደ ጌርካ ዝግበር ከይዲ ሓደገይና ምዃኑ ዓቢይ ትምህርቲ እዩ። ክርስትናን ምስልምናን ክልቲኡ ሓይማኖታት ንኽንድኡ ዝኣክል መዋዕል ብውግእ ምኅላፉ ዘስደምም ታሪኻዊ ፍፃሜ እዩ። ኣብዙ ክፋል ናይ ፊሊፕ ሻፍ መጻሕፍቲ ተርጒሙ ከም መርትዖ ኣቕሪብልና ኣሎ፡ ኵላተን መጻሕፍቲ ሻፍ ምሳይ ስለ ዘለዋ ምስ ተወከስኩወን ግድፈት ብዘይብሉ ኣገባብ ከም ዝተቶርጎመ ከረጋግጽ ክኢለ ኣለኹ። ኣብ ዶ/ር ኣማኑኤል ካብቲ ጐሊሑ ዝረኣኽዎ ነገር እንተ ደኣ ኣሎ ናይ ቛንቋ እንግልዝይና ትግርይናን ምልከት ኣለዎ። ንብዙኅ ዓመታት ብቛንቋ ትግርይና እንታይ ከም ዝብሃሉ ዝደልዮም ቃላት ሥነ-መለኮት ክፈልጥ ክኢለ ኣለኹ። ብዛዕባ ወፍሪ መስቀላውያን ሓደ ዝጐደለ ነገር ኣሎ ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ረጽሚ መስቀላውያንን ኣስላምን ተቐርቒሮም ዝሞቱ ኣይሁዳውያን እዮም፡ ንሳቶም ብዙኅ ጃምላዊ ህልቂት ኣጋጢምዎን እንከሎ ከም ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ከቕርቦ ተጸቢየ ነይረ። ካብቲ ተስፋ ዘስነቐን ከምዚ ምባሉ እዩ፡ “መስቀላዊ ወፍርታት ኣብ ታሪኽ መንግስተ ክርስትና ዝተኸሰተ ዓብዪ ሃይማኖ-ፖለቲካዊ ተርእዮታት እዩ። ብርግጽ፡ ንዓና ነዞም ሎሚ ብዘመናዊ ስልጣነ ወድሰብ እተጸለና፡ ንመስቀላውያን ከም ተራ ስሱዓት ባርባራውያን ኽንቆጽሮም ዚከኣል እዩ። ነቲ ዓበይቲ ፍጻሜታት፡ ብመንጽር ናይ ዘመኑ ዓውደ ዂናት እንተተገንዚብናዮ ግን፡ ብወገን መስቀላውያን ኮነ እስላማውያን ጽኑዕ ሃይማኖታዊ ተወፋይነት ዘበገሶ ፍጻመታት ምንባሩ ኽንክሕዶ ኣሸጋሪ እዩ” (ገፅ. 175)። ዶ/ር ኣማኑኤል ኣብዙ ብዙኅ ዘሐጉስ ተስፋ ሂቡኒ ምኽንያቱ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ምስ ሰባት ክዛረብ እንከለኹ ዝኸብደኒ ናይ ግርጭት ዘመን ክገልፆን ምስ ወንጌል ክርስቶስ ከነፃፅሮን ከለኹ እዩ። ተራ ገዳማት ዓቢይ ምንባሩ እዛ መጽሓፍ ብግህዶ ኣቐሚጣቶ ትርከብ፡ ብፍላይ በነዲካውያን ኣብ ምፍራይ ምሁራውያን (ስኮላስቲክ) ዝበርከቶ ዓቢይ ግደ ይትንትን። ምንኩስናዊ ሥርዓት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም እኒ ሲስተርሽውያንን፡ ፍራንቸስካውያን፡ ዶሞኒካውያን፡ ካርመላውያን፡ ተምሳጣውያን ዝኽተልዎ ዓይነት መምርኂ ብዕምቘት የረድእ፡ ገሊኦም ኣቦታት ተሓድሶ ድማ ካብዙ ገዳማዊ ሥርዓት ዝወፁ ስለ ዝዀነ ንቅጺ 3 ጥጡሕ ባይታ ገይሩ ኣሎ ክብሃል ይከኣል። እቲ ዝበለፀ ክፋል ናይዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ምህሮኣውያን ዝነበረ ከይዲ እዩ። ኣነ ብውልቀይ ካብቲ ቀንዲ ዝማረኸኒ ክፋል እዛ መጽሓፍ ምትንሣእ ስኮላሳውያን ረነሶንስን እዩ። ጸሓፊ ብተደጋጋሚ ስኮላሳውያን ዝብል ቃል ይጥቀም፡ ብቛንቋ ትግርይና ምህሮኣውያን (ኣብ ገፅ. 75 ተጠቂምሉ ኣሎ) ዝብል ቃል እንዳ ሃለወና ካልእ ምጥቃም ኣገዳስነት የብሉን። ሙሴ ገብረትንሳኤ እውን ከምዚ ይብል፡ “ኣንሰልም ንተምህሮነት [ስኮላሳውነት] ዘተኣታተወን ንምጒት ህላውነት ፈጣሪ ዘበገሰን ዉሩይ ፍላስፋ እዩ” (ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና ገፅ. 166)። ስለዚ፡ ምህሮኣውያን ወይ ድማ ተምህሮኣውያን ዝብል ቃል ምጥቃም ይኃይሽ እብል። ፍልስፍና ኣዝየ ስለ ዝፈቱ ብዛዕባ ምህሮኣውያን ይፈልጥ እንተ ነበርኩ ብቛንቋ ኣደይ ግን ንመጀመርታ ዝተጻሒፋ ይረክብ ኣለኹ። ሥነ-መጐታዊ ኣገባብ ምህሮኣውያን ኣዝዩ ዝማርኸኒ እዩ፡ ብዛዕባ ህላዌ ኣምላኽ ክዛረብ እንከለኹ ናይ ኣኳይናስን ኣንሰልምን መጐት ይጥቀም እየ። ብፍልጠቶም ኣዝዩ ባህ ዝብለኒ ከም ሓደ ዓቢይ ብልጫ ክርስትና ድማ ይርእዮ። ጸሓፊ ንታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ርእዮት ዓለምን እቶም ዉሩያት ምህሮኣውያን ኣላሊዩና ኣሎ፡ ኣድናቒ ኣኳያናስ ብምዃነይ ብዛዕብኡ መጽሓፍ ምሉእ ዝተጻሕፉ ስለ ዘሎኒ ብክልተ ገፃት ክዓግብ ኣይከኣልኩን። ኣኳይናስ ዘወዓውዖ ፍፁም ኣምላኻዊ ምቝልልነት (Absolute divine simpilicity) ዝብል ትምህርቲ ከይተተንከፈ ምኅላፉ ቒር ቢሉኒ እዩ ምኽንያቱ እዙ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊትን ምብራቕ ኦርቶዶክስን ዘጋፈሐ ኣስተምህሮ እዩ። ኣኳይናስ ኣብ ኣስተምህሮ ኣጎስጢኖስን ፍልስፋ ኣሪስቶትልን ተመርኪሱ ቕርፂ ከይትኅዞ እንከሎ፡ ጎርጎርዮስ ጳላማስ ድማ ኣብ ኣስተምህሮ ባሲልዮስን ማክሲሞስን ተመርኪሱ Essence/Energy distinction ዝብል ትምህርቲ ቕርፂ ኣትኃዘ። ብዙኅ ጊዜ ዘካትዕ ስለ ዝዀነ ኣኳይናስን ጳላማስን ካብ ተጠቀሱ ዝፈላልዮም ሓሳባት እንተ ዝጥቀስ ንኣንባቢ ብሩህ ምዀነ ዝብል እማመ ኣሎኒ። ሓደ ካብቲ ባህ ዘበለኒ ከምዚ ዝብል እዩ፡ “ኣንሰልም ኣብ ታሪኽ ፍልስፍና፡ ንፈለማ ጊዜ ነቲ ምዃናዊ መጎት ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣገባብ ትንታነ ዘማዕበለ ሊቅ እዩ። ነዚ ኸኣ ኣብታ ፕሮስሎግዩም እትብል ብዛዕባ ህላወ እግዚኣብሄር እትምጒት መጽሓፍ ተንቲንዎ ኣሎ” (ገፅ. 194)። ብውልቀይ መጻሕፍቲ ባህርያዊ ሥነ-መለኮት (Natural Theology) ብዙኅ ጊዜ ስለ ዝነብብ ካብቲ ሓደ ዘድንቘ ኸኣ ብኣንሰልም ዝተበገሰ ምዃናዊ መጐት እዩ። ዳንስ ስኮተስ ከም ምህሮኣዊ ጥራኅ ዘይኮነስ ከም ቀላሲ እቱ ንጽኃ-ጥንሰት ዝብል እንተ ዝቐርብ ኣብ ሣልሰይቲ ቅጺ ንሥራሕ ጸሓፊ ከቕልሎ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ብኽልተ ዓይነት ምድኃን ኣሎ ቢሉ ዝመሃረ ሰብ እዩ፡ ንንጽኃ-ጥንሰት ማርያም እውን ብ1854 ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዶግማ ክትገብሮ እንከላ ከም መወከሲ ስለ ትጥቀመሉ ንኣንበብቲ እንተ ዝትንብሃሎም ግርም እዩ። እዙኣ ምዕራፍ ብዓቢይ ምምቕቃልን ወፍሪ መስቀላውያን እኳ ትጀምር እምበር ብበላሕቲ ዝበሃሉ ምህሮኣውያን ብምውድኣ ከየቛረፅኩ ካብ ዘንበብኩወን ክፋል እዛ መጽሓፍ እዩ። ዶ/ር ኣማኑኤል ምልከት ቛንቋ ትግርይና ከም ዘለዎ ኣብ ላዕሊ ኣተንቢሀ ነይረ፡ ኅልፊ ኵሉ ድማ ኣብዛ ምዕራፍ ተንጸባሪቝ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ። ንኣብነት ንጽኃ-ጥንሰት (Immaculate Conception)፣ ኣበር-ኣልቦ ጵጵስና (Papal Infallability)፣ ልማድ (Precedent)፣ ስነድ ምሕረት (Indulgence)፣ ሓለውቲ መቕደስ (Templars)፣ መናትግ ዓረር (Catapult)፣ ተወልጦ ስጋን ደምን (Transubstantiation)፣ ተዓቕቦ መውስቦ (Celibacy)፣ ገዳም ሲቱው (Citeaux Abbey)፣ ኣስተስብኦ (Personification)፣ ስግረኣዊ (Trancedental)፣ ስነመጎትን ስልጣንን (Rationality and authority)፣ ምዃናዊ መጎት (Ontological Argument)፣ ምዃንን ኑባሬን (Being and Existence)፣ መበቆል (First Principle)፣ ምዃናዊ ክውንነት (Ontological Reality)፣ስማውነት (Nominalism)፣ ስጥመት (Coherence)፣ ሕቡኣውያን (Obscurantists)፣ ፍልቀ-ፍልጠት (Epistemology) ወዘተ። እስላማውያን ምሁራት ከም እኒ ኢብን ሲናን ኢብን ራሽድን ምቕራቡ ዓሚቕ ፍልጠት ከም ዘለዎ መርኣያ እዩ። ካብተን ብዙኅ ፍልጠት ዝሰነቕኩላ ክፋል እዙኣ መጽሓፍ እያ።

@4፦ ኣንፈት ናብ ዘመን ተሓድሶ

ቅድሚ ምንቕስቓስ ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ብብዙኅ ዓይነት ኢሰብኣዊ ተግባራት ከም ዝተበላሸወት ኣብዛ ምዕራፍ ምንባብ ይከኣል። ጳጳስ ኢኖሰንት ከም ኣቡን ጥራኅ ዘይኮነስ ከም ገባርን ሓዳግን ዝነበረሉ ጊዜ ይድህስስ። ንሕስያ ዘይብሉ ከይዲ እዙ ጳጳስ ጐሊሑ ንረኽቦ፡ እቱ ዝገርም መስቀላውያን ኣንፃር እስልምና ዝቐንዐ ወፍሪ ጥራኅ ኣይኮነን ኣካይዶም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ኣንፃር ኣልቢጀንሳውያን ዝብሃሉ ጒጅለ። እዙኦም ምስቲ ማኒካውነት ዝብል እምነት ዝቐራረቡ ሰባት እዮም። ምንቅስቓስ ዋልደንሳውያን ቅድሚ ተሓድሶ ዝነበሩ ተሓድሶኣውያን ክንብሎም ንኽእል ኢይና። ዶ/ር ኣማኑኤል ከምዚ ይብል፦ “እዚ ደሓር ሓደ ካብቲ ሕመረት ናይ ተሓድሶኣዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ኪመጽእ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ግን ሓድሽ ኣመልክቶ እዩ ነይሩ” (ገፅ. 220)። እዙኦም ጒጅለ ከም መናፍቓን ተባሂሎም እኳ እንተ ተለቐሙ ድኅሪ 300 ዓመት ግን ሓሳባቶም ብጒሉሕ ኣገባብ ተራእዩ እዩ። ብዙኅ ሰብ ተሓድሶኣዊ ምንቅስቓስ ብሉተር ዝተወልዐ ይመስሎ ቅድሚኡ ግና ብዙኃት ሰባት ይቕልቐሉ ይጠፍኡ ምንባሮም ጸሓፊ ኣፍልጦ ብምሃቡ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማምዓሉ ሓሳብ ኮይኑ ይረኽቦ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣንፃር ጠንቆልትን መናፍቓን እትብሎም ዝነበሩ ወገናት ከቢድ ምንባሩ ብግልፂ ተቐሚጡ ንረኽቦ። ዘመን ተሓድሶ ቅድሚ ምውልዑ ከም እኒ ዮሓንስ ዊክሊፍን፡ ዮሓንስ ሃስን፡ ሎሬንሳ ቫላን፡ ጆሮላሞ ሳቫናሮላ ተንሢኦም እዮም። ሥነ-መለኮታዊ ትምህርታት እዞም ዝተጠቐሱ ብዝርዝር ተጠቒሱ ንረኽቦ። ብልሹው ተግባር ቤተ ክህነት ንብዙኃት ክርስትያን ንተሓድሶ ክብህግዎ ጌርዎም እዩ። ንኣብነት ንሬሳ ዊክሊፍ እንታይ ከም ዝገበረቶ ክገልጽ እንከሎ፦ “ድሕሪ ሞቱ ብ1415 ዓ/ም ኣብ ኮንስታንስ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንዊክሊፍን ዕዮታቱን ወጊዛቶ። መናፍቕ ብምባል ከኣ፡ ሬሳኡ ካብ መቓብር ወጽዩ ከምዝነድድ ተገብረ” (ገፅ. 230)። እምበኣር ኤክለስዮ-ፖለቲካዊ ምግምማዕ ኣብ ንጹሓት ኣገልገልቲ ዘውርዶ ዝነበረ ኣደራዕ ኣሰቃቒ ምንባሩ ክንግንዘብ ንኽእል ኢይና። ቀጺሉ ከምዚ ይብል፦ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነዚኦም ንምጥፋእ ስደት ኣለዓዒላ፡ ሓያሎ ካብኦም ኣብ ሓዊ እናተደርበዩ ይቕተሉ ነይሮም” (ገጽ. 230)። ኣይትቕተሉ ቢላ ክትምህር ዝግብኣ ኣእዳዋ ብደም ጨቕያ ክትርእይ ይድንጽወካ። ኣብ ሃስ እውን ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክትወስድ ንርእያ፡ ኣብ ጓህሪ ተቓጺሉ ኪመውት ፈረደቶ። ስለዚ፡ ብዙኅ ልብና ዝስንጥቕ ዓይነት ትኅዝቶ ዘለዋ ምዕራፍ እያ። ብኻልእ መዳዩ፡ መንግሥቲ ባግዛንታይን ዘኽተመትሉ መዋዕል ምዃና ይሕብረና፡ በዚ ኸኣ እየ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ጥራኅ ዘይኮነስ ብዛዕባ ታሪኽ ዓለም እትድህስ መጽሓፍ እያ ዝበልኩ። ሓፀይ ኮንስጣንጢኖስ ከተምኡ እናተኸላኸለ ከሎ ኣብ ውግእ ተቐትሉ። ዑስማናውያን ወረርቲ ኣብ ፍፁም ከበባ ከም ዘእተዉዎ ብኸምዚ ድማ ሓፀያዊት መንግሥቲ ባይዛንታይን ክተብቕዕ ከኣለት። ጂኦ-ፖለቲካዊ ገስጋስ ዑስማናውያን ናብ ኤውሮ-እስያ ድማ ይትንክፍ።

@5፦ መዋእል ረነይሶንስ

ካብ 1300 ክሳብ 1500 ዓ/ም ዳግመ-ትንሣኤ ክላሲካዊ ሥልጣነ ግሪኽን ሮማን ብረነይሶንስ ተወለዐ። ምትንሣእ ረነይሶናውያን ብማኅበረ-ቁጠባዊ ፍልስፍናዊን ሥነ-ጥበባዊ መዳዩ ዝርአ እኳ እንተኾነ፡ ነዙ ጒዕዞ ንምቝጻይ ብዙኅ ተሠሪሑ እዩ። ድኅሪ ምህሮኣውያን ረነይሶንስ እቱ ዝበልጸገ ኣበርኩቶ ዝገበረ እዩ። ቤተ ክርስትያን ሃንጐፋይ ቢላ ክትቕበሎ ኣይከኣለትን፡ ብኢንክዝዊሽን ዚፍለጥ ምጽናት ከሓድቲ ወይ ኸኣ መናፍቓን ኣበገሰት። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ተራ ኣመንቲ ከይተረፈ ብዙኅ ግፍዒን ሥቓይን ክተውርድ ከኣለት። ቤተ ክርስትያን ኵሉ ክፋላት ኅብረተ-ሰብ እትጸሉ ብምንባራ ንኽሣቐዩ ዓቢይ ደገ ከፊቱ እዩ። ኣብ ሥነ-ሕንፃታት ዘርኣይዎ ተበግሶ ኣዝዩ ዝነኣድ ምንባሩ ጸሓፊ ከምዚ ብምባል የረደኣና፦ “ጽባቐ ናይቲ ህንጻታት፡ ንሃብታማት ሰብ ጸጋ ኪስሕብ ብምኽኣሉ፡ ኣብ መንጎ ሃብታማት፡ ሃነጽትን ጠቢባንን ሽርክና ፈጠረ” (ገፅ. 257)። በዙ ከይተደረቱ ኣብ ፍልስፍናን ሥነ-ፍልጠትን ሥነ-ጽሑፍን ዘበርከትዎ ግሁድ እዩ። ሰብኣዊ ፍልስፍና መሠረት ኣምር ፍልስፍንኦም ብምንባሩ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና እምነ ኵርናዕ ኣቐሚጦም ክበሃሉ ይከኣሉ። ኣብዙ ጒዕዞ ድማ ፍልስፍና ካብ ሥነ-መለኮት እናተፈለየ፡ ብዓለማዊ ኣገባብ እናተባሕተ ከም ዝኸደ ይዝርዝር። ኣብ ኣሪስቶትላዊ ኣገባባት ተሓፂሩ ኸኣ ብናይ ሎጂክ ትንተና ክትካእ ይርአ። ካብቶም ዘድንቘም ረነይሶናውያን ኒኮላስ ኮፐርኒከስ፡ ጋሊለዮ ጋሊለይ ጠቒሱ ንኣበርክትኦም ስለ ዘቕረቦ ብርዒ ጸሓፊ ትሰስን ኣቢሉኒ። ኮፐርኒከስ ፀሓይ ዘይኮነት ኣብ ዙርያ ዓለም ብኣንፃሩ ዓለም ኣብ ዙርያ ፀሓይ ከም እትዘውር፡ ዓለም እውን ግሎብ ቅርፂ ዘለዋ ከባብ ምዃና ኣብታ 1543 ዓ/ም ዘኅተማ መጽሓፉ ይገልጽ። እዙ ርኽበቱ ቀልጢፉ እኳ ተቐባልነት ኣይርከብ ድኂሩ ግና ኣብ ሥነ-ጠፈራዊ ምርምራትን ሥነ-ፍልጠታዊ ርኽበት ዓቢይ ስጒምቲ ንቅድሚት እዩ። ምርምር ጋሊለዮ በታ ምህዞኡ ዝዀነት ቴሌስኮፕ ኣቢሉ፡ ንክልሰ-ሓሳባት ማእከልነት ፀሓይ ኣረጋገፀ። ካብቶም ኣለዉ ዝብሃል ፍላስፋታት ድማ ክኸውን ጌርዎ እዩ፡ ካልኦት ከም እኒ ይስሓቕ ኒውተን ክመፁ ዝኸኣሉ ኣብ መዋዕል ረነይሶንስ እዩ። ብዙኃት ረነይሶናውያን ብዝርዝር ዝገበርዎ ኣበርኩቶ ኣብዛ ምዕራፍ ሠፊሩ ይርከብ። ካብቲ ናይ ዶ/ር ኣማኑኤል ዘሐጎሰኒ ከምዚ ዝብል እዩ፡ “ጸረ-ኣይሁዳነት ኣብቲ ዘመን ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ፡ ማርቲን ሉተር እኳ፡ «ብዛዕባ ኣይሁድን ሓሶቶምን» እትብል መጽሓፍ ብ1543 ዓ/ም ኣሕቲሙ ነበረ። ብሓፈሽኡ ካብ መበል 1100 ክሳዕ 1600 ዓ/ም፡ ኣይሁድ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ይስገጉ ነይሮም” (ገፅ. 267)። ሓደ ጸሓፊ ወገን ኂዙ ንታሪኽ ክጥምዝዝ ይኽእል እዩ፡ ዶ/ር ኣማኑኤል ግና ፕሮቴስታንት እየ ቢሉ ነዙ ክሓብኦ ኣይፈተን። ክርስትና እግሩ ምስ ደልደለ ኣንፃር ኣይሁድ ዝቐንዐ ምስይጣን ተታኃኂዝዎ እዩ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኣዝዮም ፈላጣት ዝበሃሉ ከም እኒ ኣቡሊዲስን (ሃይፓልቶስ) ዮሓንስ ኣፈወርቂን ፀረ-ኣይሁዳውነት ከስፋሕፍሑ ክኢሎም እዮም። ናይ ማርቲን ሉተር ድማ ዕረ ዝዀነ ጽሑፍ እዩ፡ ብዙኅ ዝድነቕ ጽሑፋት እኳ የበርክት ኣብ መወዳእታ ዕድሜኡ ግና ብዙኅ ዝተበላሸወ ጽሑፋት ንረክብ ኢይና፡ እዛ “ብዛዕባ ኣይሁድን ሓሶቶምን” እትብል መጽሓፉ ኣብነት እያ። ሉተር ኣብ ጀርመን ከም ሓደ ጅግና ስለ ዝረአ ኣብቶም ኣመንቲ ክርስትና ዘይነበሩ ናዝሲስ እኳ ኣብ ናይ ቅትለት መዓስከራቶም (Concentration camps) እትርከብ ምንባራ ተመራመርቲ ታሪኽ ይነግሩ። በዚ ኸኣ ዶ/ር ማይክል ብራውን ዝጸሓፋ፡ “Our hands are stained with blood” እትብልን፡ ዶ/ር ጆን ዲክሰን ዝጸሓፍ “Bullies and Saints” ብዙኅ እትመሳሰል ኮይና ይረኽባ። ናይ ሮም ቤተ ክርስትያን ኣንፃር መናፍቓን እትገብሮ ዝነበረት ዘሰክሕ መቕተልቲ ንነብብ፡ ብፍላይ ኣብ ስጳይና ዝረአ ዝነበረ እዩ። ቤተ ክርስትያን ከም ናይ ቀደማ ጒባኤ ሠሪዓ ንስሕተተይናታት ክንዲ እትእርም ብምቕታል ፍታሕ ክትደልየ ተራእያ። “ብምንፍቕና ዝተኸሰ ሰብ፡ ብብዙሕ ስቓይ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቕተል ነይሩ። እቲ መስርሕ ከኣ፡ ከሰስቲ ብምስክርነት ዝተደገፈ ምርትዖ ምስ ኣቕረቡ፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይብየን” (ገፅ. 281)። ቤተ ክርስትያን ገባቲት ዝዀነትሉ ዘመን ብምዃኑ ኣብ ምርምር ዘይኮነ ኣብ ምልቓም ከም ዝተዋፈረት ንርኢ። ጸሓፊ ኣዝዩ ጥንቊቕ ዝገብሮ እዙ ብምባሉ እዩ፦ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንስደት ኣብ ልዕሊ መናፍቕነት ከም ፖለሲኣ ኸተካይዶ ከላ፡ ኣብ ጽሬት ሃይማኖት ኣድሂባ ድያ ምእዙዝነት ንኸተጽንዕ፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዚከራኸሩሉ ነገር እዩ። ነዚ ኣብ ምክያድ ከመይ ኢላ፡ እቲ ወንጌላዊ ተልእኾ ፍቕርን ርህራሄን ምርኣይ ተሳኢንዋ ኸኣ፡ ዓብዪ ሕቶ ዚፈጥር ነገር እዩ” (ገፅ. 281)። ግሩም ብዝዀነ ጽሟቕ ድማ ክድምድማ ንረኽቦ።

@6፦ ማእከላይ መዋእል ኣብ ኣፍሪቃን ምብራቕን

ቅዲ ኣጻሓሕፋ ዶ/ር ኣማኑኤል ባህ ካብ ዝበለኒ በቱ ገፊሕ ኣርእስቲ ጀሚሩ እንዳ ጸበበ ናብ ታሪኽ ምድርና ዝቐንዕ ምዃኑ እዩ። ክርስትና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከመይ ዓይነት ጒዕዞ ከም ዝገጠሞ የቕርበልና። ናይ ሱርስት ቤተ ክርስትያን ያዕቆባዊ፡ ማሮናዊት፡ ቶማሳዊት ዘጠቓለለት እያ። ኣብ ቅዳሴኣዊ ጽሑፋት ምዕቓብ ዝገበረቶ ኣበርክቶ ጸሓፊ ብግቡእ ኣፍልጦ ሂብሉ ይርከብ። ክርስትና ኣብ ከም እኒ ኣፍጋኒስታን ኢራንን ኸ ነይሩ ድዩ፧ ዝብል ሕቶይ ዝመለሰት መጽሓፍ እያ። ኣብ ህንዲ ዝነበረ ክርስትና ምስ ባህሊ ሰብ ዝተሓናፈጸ ምንባሩ ብዙኅ ባህ ዘየብል ምዃኑ ጸሓፊ የተንብህ። ንስጥሮሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሞንጎላውያን ዝነበራ ዓቢይ ቦታ ርኢኻ ጽሩይ ክርስትና ከስፋሕፍሕ ብድሆ ነይርዎ የብል። ኣብ ቻይና ፖርቱጋላዊ የሱሳዊ መነኮስ ፍራንሲስ ሻቪየር፡ ብ1546 ዓ/ም ኣቢሉ እዩ ሜስዮናዊ ዕዮኡ ኣብታ ሃገር ኣቝሙ። ሰሜን ኣፍሪቃ ቅድሚ ብእስላማዊን ቫንዳላውን ወራር ምዕናዉ፡ ንብዙኃት ንጉዓት መምሃራን ከም እኒ ቅሌሜንጦስን ኦርጌንን ቅጵርያኖስን ጠርጡልያንን ኣትናቴዎስን ቄርሎስን ዘፍረየት ምዃና የዘንቱ። ኣብ ጒባኤ ኬልቄዶን ዝተበገሰ ምጒጅጃል ግና ዓቢይ ማህሰይቲ ፈጢሩ እዩ። ኣብዙ ክፋል ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ዘይሰመማዓሉ ኣሎ፡ “እቲ ብ451 ዓ/ም ብምኽንያት ምህሮ ሓደ ባህርይ [ሞኖፊዛይትዝም] ዘጋጠመ ምፍልላይ ግን፡ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስትያን ምስ ናይ ሶርያን ኣርመንያን ኣብያተ ክርስትያን ኮይና፡ ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ተፈልያ እያ ጉዕዞኣ ቐጺላ” (ገፅ. 305)። ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ሞኖፊዛያት ኣይኮናን እዙ ዓቢይ ጌጋ እዩ ምኽንያቱ ብትምህርቲ ኣውጣኪ እየን ዝኽሰሳ ዘለዋ። ትምህርቲ ኣውጣኪ ብውግዘት ዝተፈለየ እዩ ቢለን ንዝኣምና ኣብያተ ክርስትያናት ብኸምኡ ምኽሳስ ኣይተወሓጠለይን። ንሕና ሚያፈዛይት ኢይና፡ ነዙ ኸኣ ኣብ ቅዳሴኣዊ ጽሑፋት ኮነ ምሁራት ሥነ-መለኮት ከም እኒ Pope Shenouda lll፡ Bishop Youssef፡ Fr. Tadros Y. Malaty፡ ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ምርኣይ ይከኣል። ኣብ ካልእ ገፃት እውን ተመሳሳሊ ነቢበ ገሪሙኒ ምኽንያቱ ካልኦት ብዛዕብአን ዝጸሓፍዎ ዘይኮነስ ንሳ እታ ቤተ ክርስትያን ዝበለቶ ክቐርብ ግቡእ ኮይኑ ይስምዓኒ። እምነት እስልምና ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝገበሮ ጸቕጢ መሪር ስለ ዝነበረ መብዛኅቲኦም እምነቶም ራሕሪሖም ንእስልምና ክርዕሙ ኣገዲድዎም እዩ። በቱ ቫንዳላውያንን እስላማውያን ዘውረዱሎም ኣደራዕ ክርስትና ኣዝዩ ኣንቘልቍሉ ኣብ ግብጺ ጥራኅ ክድረት ከኣለ። እታ ብዙኅ ዘይትፍለጥ ናይ ኑብያ ቤተ ክርስትያን ዝነበራ ሥልጣኔ ኣዝዩ ገሪሙኒ። “ኣብዚ ጥርዚ ዘመነ ስልጣነ ናይታ መንግስቲ ብንግዲ፡ ባህሊ ኾነ ትሕተ-ቅርጻዊ ምዕባለ፡ ኣብ ደሓን ደረጃ በጺሓ ነበረት። ኣብ ደቡባዊ ኑብያ ዝነበረት ካልእ መንግስቲ፡ ኣሎዲያ እትብሃል ከኣ ነይራ። ማእከል ናይዛ መንግስቲ እታ ኣብ ጥቓ ናይ ሎሚ ካርቱም ተደኩና ዝነበረት ከተማ ሶባ እያ” (ገፅ. 313)። ዶ/ር ኣማኑኤል ብዙኅ ዓይነት ትምህርቲ ኣቕሲሙኒ እዩ፡ በዚ ድማ ጦብላሕታይ ላዕሊ በፂሑ ክብል እኽእል። ሶባ ብኣካል ዝፈልጦ ቦታ እዩ፡ ማእከል ኣሎዲያ ምዃና ግና ካብዛ መጽሓፍ ክፈልጥ ክኢለ። ክርስትና ካብ ብዙኅ ሚእታዊት ናብ ውሑድ ቁጽሪ ዝወረደሉ ኣኅዛኒ ጒዕዞ ምስ ነበብካ ኣርምም የብለካ።

@7 ክርስትና ማእከላይ መዋእል ኣብ ምድረ ሓበሻ

ካብ 600 ክሳብ 1500 ዓ/ም ዝነበረ ከይዲ ክርስትና ኣብ ምድሪ ሓበሻ ምስ ነበብኩ ብዙኅ ተሓጉሰ፡ ኣብቲ ታሪኽ ደቂቀ እስጢፋኖስ ምስ በፃሕኩ ግና ልበይ ብጓሂ ተሰንጢቝ ተረፈ። ክርስትና ኣብ መንግሥቲ ኣኽሱም፡ ሓረገ-ዘርኢ ዛጔ፡ ሓረገ-ዘርኢ ሰለሞናውያን ዘገጠሞ ብድሆታት ይግልጽ። ኣኽሱማዊት መንግሥቲ ብክርስትና ዝተዓብለለት እኳ ትንበር እምበር ብዘዕቘበቶም ኣስላም እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ክኃድራ ክኢሉ እዩ። እዙ መንግሥቲ ኣብ ዝዳኸመሉ ዝነበረ ጊዜ ምትንሣእ ጒዲት ከም ዝቕህም ክገብሮ ከኣለ። እዛ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ዓቢይ ጥፍኣት ከተውርድ ክኢላ እያ፡ ንመሳፍንቲ ኣኽሱም ክትቀትልን፡ ኣብያተ ክርስትያን ክተንድድ ክኢላ። በዙ ኸኣ እታ ሓደጋ ምጥፋእ ዘንጸላልዋ መንግሥቲ ኣኽሱም ክትዓኑ ከኣለት። ድኅሪኦም ንግሥነት ዝተረከቡ ሓረገ-ዘርኢ ዛጔ እዮም፡ ንኣስታት 354 ዓመታት ዝተፈላለዩ ነገሥታት ከመኃድሩ ንርእዮም። ዘይሃስስ ኣሠር ድማ ኣብ ከም ላሊበላ ዝበሉ ቦታታት ክገድፉ ክኢሎም እዮም። “ገለ ካብተን ኣብ ዘመነ ዛግወ፡ ዝተመስረታ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን፡ ናይ ላሊበላ መስቀላዊ ቅርጺ ዘለዎ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ላስታ ዝተሃንጸ ኣብያተ ክርስትያን፡ ኣብ ሰራየ ዝተሃነጸ ገዳም ደብረ ማርያምን፡ እቲ ብኣባ ፍልጶስ ዝተመስረተ ገዳም ደብረ ቢዘንን ብኣብነት ክጥቀስ ይከኣል” (ገፅ. 329)። ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ዘመነ ዛጔ ኣይተመሥረተን ምኽንያቱ ኣቡነ ፊልጶስ ንባዕሉ ኣብ 1326 ዓ/ም እዩ ተወሊዱ፡ በቲ ዝተወለዱሉ ጊዜ ድማ ንግሥነት ላስተ ኣብቒዓ እያ። ስለዚ፡ እዙኣ ዳግመ ግምት እንተ ትግበረላ እብል። ብሓይማኖታዊ ሸቐጥ ኣባ ተኽለሃይማኖት ንግሥነት ናብ ሽዋ ናብ ሓፀይ ይኩኖ-ኣምላክ ከም ዘረከበ ንረክብ። ነቲ ካባይ ኣትኂዝና ዝተመሃርናዮ ጽውጽዋይ ሽዋ ድማ ብመርትዖ ገይሩ ከፍርሶ ክኢሉ። “ነዚ መለኮታዊ ሕጋውነት ንምልባስ፡ ይኩኖ ኣምላክ ሰለሞናዊ ንጉስ፡ ተኽለሃይማኖት ከኣ፡ ዘርኢ ካህን ጻዶቅ ዘለዎ ኣቡን እታ ሃገር ከምዝኾነ ተገልጸ” (ገፅ. 333)። ኣባ ተኽለሃይማኖት ተራ መነኮስ እዩ ነይሩ፡ ኣቡን እዩ ዝብሉ ብዙኃት ብሓሶት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ስለ ዘለዉ ብጥንቃቐ ምምርማር የድሊ። ክሳብ 20 ክፍለ ዘመን ዝዀነ ሓበሻ ጵጵስና ክወስድ ኣይክእልን ነይሩ ምኽንያቱ እቱ ካብ ቛንቋ ዓረብ ናብ ግዕዝ ተቶርጉሙ ዝብሃል “ፍትሓ ነገሥት” ከም ዘይፍቀደና ይነግር። ናይ ጒባኤ ኒቅያ ቆኖና እዩ ስለ ዝበልዎም ኸኣ ከም ዘይምልከቶም ይሓስቡ ነይሮም፡ እንተ ደኣ ቐቢኦም ካብ እግዚኣብሔር ዝተፈለዩ ምዃኖም እቱ መጽሓፍ የፈራርሕ። ምንኩስናዊ ሕይወት ኣብ ምድሪ ሓበሻ ብፍጥነት ዘስፍሕፍሓሉ መዋዕል ምዃኑ ጸሓፊ የብርሃልና። ካልእ ንኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ገፅ. 346 ሊቅ ተባሂሉ ኣሎ፡ ኣነ ብውልቀይ ዝነበብክዎ መጻሕፍቲ ኣባ ጊዮርጊስ ስለ ዘሎ እዙ ሊቅ ዝብል ኣይምጥኖን እዩ በሃላይ`የ። ምኽንያቱ ቅድስቲ ማርያም ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ብህልውና ከም ዝነበረት፡ ኣብ ቅድሚ ሥዕላ ዘይሰገደ ብትንሣኤ ጒባኤ ኣይተንሥእ ቢሉ ዝራገምን ብዙኅ ጸርፊ ዝመልአ መጽሓፈ ሰዓታት ዝብሃል ኣሎ። በዚ ኸኣ ንዕኡ ሊቅ ምባል ብፍፁም ዘይውሓጠለይ። ኣብ መወዳእታ ዘመነ መንግሥት ዘርኣ-ያዕቆብን ምንቅስቓስ እስጢፋኖሳውያን ነዛ መጽሓፍ ካብ ዘድመቐ ትኅዝቶ እዩ። ሓፀይ ዘርኣ-ያዕቆብ ኣብ ፖለቲካውን ሥነ-ጽሑፍ ኣበርክቶ እኳ እንተ ገበረ፡ ደቂቀ እስጢፋኖስ ኣብ ምጥፋእ ንሱን ወዱ ሓፀይ ባዕደ-ማርያም ታሪኽ ዘይሓኮ በሰላ ገዲፎም እዮም። ኣብዙ ክእረም ዘለዎ ነገር ኣሎ፦ “ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ጎሊሖም ካብ ዚጥቀሱ ነገስታት ሓበሻ፡ እቲ ፍላስፋ-ንጉስ እናተባህለ ዚጽዋዕ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ብቐዳምነት ይስራዕ” (ገፅ. 345)። ሓፀይ ዘርኣ-ያዕቆብን ፍላስፋ ዘርኣ-ያዕቆብን ዝተፈላለዩ ሰባት እዮም፡ ዳርጋ ኣብ ሓደ ጊዜ እዮም ነይሮም። ሓፀይ ዘርኣ-ያዕቆብ ናይ ሽዋ ንጉሥ እዩ፡ ፍላስፋ ዘርኣ-ያዕቆን ግና ቀንዲ ስሙ ወርቄ ይብሃል። ኣብ ኣኽሱም ተወልዱ ዓብዩ ብዝወረዶ ተነጽሎ ድማ ናብ በጌምድር ዝተሰደ ፍላስፋ እዩ፡ ኣብታ ዶ/ር ሓጎስ ኣብርሃ ዝተርጐማ “ፍልስፍና ዘርአ ያዕቆብን ወልደ ህይወትን” ምርኣይ ይከኣል፡ ብተወሳኺ እውን ብቴድሮስ ኪሮስ ዝተጻሕፈት፡ “Zara Yacoub: Rationality of the human heart” እትብል ምንባብ ይከኣል። ነቲ ን600 ዓመት ዝተቐብረ ታሪኽ እስጢፋኖሳውያን ብምቕራብካ ኣዝየ ተፈሢሐ፡ በቲ ዝወረዶም ኣረሜናዊ ተግባራት እኳ እንተ ኃዘንኩ፡ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮም ሠረት ኣዝዩ ባህ ቢሉኒ እዩ። ብትግርይና ታሪኽ ደቂቀ እስጢፋኖስ ካብ ዝጸሓፉ ካልኣይ ኴንካ ተሠሪዕካ ኣሎኻ። ንኣባ ተኽለሃይማኖትን ዘርኣ-ያዕቆብን ከም ቅዱሳን ዝርእዮም ብዙኅ ሰብ እዩ፡ እዙኣ መጽሓፍ ግና ሓቀይና መንነቶም እተፍልጥ እያ እሞ ብሉጽ ኣበርክቶ ኣለዋ። ኣብ ኣጸሓሕፋ ዳርጋ ግድፈት ኣይርኣኹላን፡ ጸሓፊ ብዙኅ ከም ዝደኸመላን ዘፃረያን መርኣያ እዩ። ኣብ መወዳእታ “መግለጺ ቃላት”፣ “ሰሌዳ ጊዜ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን”፣ “መውጽኢ ብኣርእስቲ” ብምቕራብ ንዝደለኻዮ ነገር ብቀሊል ክትረክብ ይሕግዘካ። ብዛዕባ ታሪኽ ክርስትና፡ ሓይማኖ-ፖለቲካ፡ ማኅበረ-ቁጠባዊ፡ ሥነ-ፍልጠታዊ ርኽበታት፡ ፍልስፍናዊ ኣምራት፡ ሕድሕዳዊ ግጭትን፡ ዳህሳሳዊ ርኽበታት ክፈልጥ ዝደሊ ኵሉ ሰብ ነዛ መጽሓፍ ገዚኡ ፍልጠት ክቐስመላ ይዕድም።

ስለቲ ብሉጽ ኣበርኩተኻ ኣምላኽ ይባርኽካ ዶ/ር Amanuel Elias!
ነዛ መጽሓፍ ንምግዛእ ኣብዘን ጥብቖጣት ጠውቕ፦
ኣሜርካን ካናዳን - https://semayat.com/
ኤውሮጳን ኣውስተራልያን https://www.emkulu.com/

0 comments