ተርሞሜተር ወይስ ተርሞስ ፍላስክ? [Sunday 10th Dec 2023]

Posted on 2023-12-10 · 759 · 1 · 0

107 resources uploaded

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ሮሜ.12:2

ምዕባለ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምጽኦ ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት እኳ እንተሃለዎ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣምላኽ ዘምጽኦ ኣሉታዊ ጽልዋ ግና ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። "ኣምላኽ የለን" ወይ "ብኣምላኽ ኣይኣምንን እየ" ምባል ቅዲ ህይወት (Lifestyle) እዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሕብረተሰብ ክምርሓሉ ዘለዎም ነገራት ተባሂሎም ዝስዕርሩ ዘለዉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጥያት ዝኾኑ ነገራት ሒደት ኣይኮኑን። ቃል ኣምላኽ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልት ከመይ ከምዝኸውን ስለዝነገረና ብዙሕ ኣየገርምን እዩ። እቲ ዘስግእ ግና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነገራት ኣብ ዜናታት ማዕከን ብተደጋጋሚ ብምምጻኦም ንነገራት ከም ንቡር ጌርካ ምውሳድ ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ይኣቱ ምህላዉ እዩ።

ተርሞሜትር (መዓቀኒ ሙቐት) ንርእሳ ምስቲ ሙቐት ናይ ከባቢኣ ብምምስሳል እያ ትዓዪ። ተርሞ ፍላስክ (ቴርሙስ) ግና እቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ዋዒ ይኹን ዛሕሊ ከይበድሃ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ሙቐት ብምዕቃብ እያ ትሰርሕ። ንሕናኸ ከመይ ዓይነት ናብራ ኢና ንነብር ዘሎና? በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት እናተጸሎና ዲና ንነብር ዘሎና ወይስ ብቓል ኣምላኽ እናተሓደስና ነዛ ዓለም ከይመሰልናያ ኢና ንነብር ዘሎና?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ንዓኻ ብምስዓብ ብጽድቂ ክነግር ኢኻ ጸዊዕካኒ እሞ ዕለት ዕለት ብቓልካ እናተሓደስኩ ነዛ ዓለም ከይመሰልኩ ክነብር ደጊመ እውስን ኣለኹ። ንስኻ ድማ ብጸጋኻ ስለትግፈኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments