እግዚኣብሄር ኣበይን መዓስን እዩ ዝርከብ? [Sunday 14th Jan 2024]

Posted on 2024-01-14 · 1044 · 1 · 2

107 resources uploaded

ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ። ኢሳ.55:6

እቲ ንመጀመርታ ጊዜ ብ12 ሚያዝያ 1961 ናብ ጠፈር ከይዱ ንዓለም ዝዞራ ሩስያዊ ጠፈርተኛ ዩሪ ጋጋሪ ጉዕዞኡ ዛዚሙ ምስ ተመልሰ “እቲ ገለ ገለ ሰባት ኣሎ ዝብልዎ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ኣይረኸብክዎን።” ከም ዝበለ ይንገር። ቢሊ ግርሃም ድማ “ዩሪ ጋጋሪ ንኣምላኽ ኣብ ግጉይ ቦታ ስለ ዝደለዩ ክረኽቦ ኣይከኣለን። ኣብ ጠፈር እንከሎ ንገጹ ካብቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኣየር ንኸተንፍሰሉ ዝሕግዞ ናይ ጠፈር ቆቢዕ እንተዘውጽኦ ኔሩ ሽዕኡ ብርግጽ ምስ ኣምላኽ ገጽ ንገጽ ምስተራኸበ ኔሩ።” ክብል ንዘረባ ዩሪ ጋጋሪ መለሰ።

ብርግጽ ንኣምላኽ ኣብቲ ዝርከበሉ ጊዜን ኣብቲ ዝርከበሉ ቦታን ጥራይ ኢና ክንረኽቦ እንኽእል። እቲ ባህ ዘብል ግና ልብና ድሉው እንተኾይኑ ኣምላኽ ዝርከበሉ ጊዜ ሕጂ፡ እቲ ክርከበሉ ቦታ ድማ ኣብዛ ሕጂ ዘሎናያ ቦታ ምኻኑ እዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ሎሚ ቀረባና እንከሎ ንድለዮ፡ ንሱ ድማ ክርከበልና እዩ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣለኹ። ኣብ ኩሉ ህይወተይ፡ ኣብ ኩሉ ተግባረይ፡ ኣብ ኩሉ ናብራይ ንስኻ ክትርከበለይን ምሳይ ክትኸውንን ድማ እልምነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

2 comments

Thanks Shishay, Gods grace is making it possible.

Amen - God bless you Ermi hawey! I can only imagine the resources you put in to make this happen every week.