ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለክ ክኽደኖ? ኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ? መሃ.5:3
መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ ናይ ፍቕሪ መጽሓፍ እዩ። ኣብ መንጎ እታ ሱላሚትን ፍትዋን ዘሎ ታሪኽ ድማ ይትርኽ። እዚ ድማ ተምሳል ናይ እስራኤልን ኣምላኽን ኣብ ብሉይ ኪዳን ወይውን ተምሳል ናይ ክርስቶስን ማሕበሩን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ምዃኑ ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምሃራን ይገልጹ። ኣብዚ ታሪኽ እዚ ሓደ እዋን ዘሕዝን ኩነት ኣጋጢሙ ኔሩ። ሓደ ምሸት እቲ ፈታዊ ከርበን ምኡዝ ቀመማቱን ቀንጢቡ ናብ ቤት ፍትውቱ ብምኻድ ብናይ ፍቕሪ ቃላት ማዕጾኣ ክትከፍተሉ ክኹሕኩሓ ጀመረ። እቲ ጊዜ ነታ ሱላሚት ምቹእ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ “ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኽደኖ? ኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ?” በለቶ። ፈታዊኣ ድማ ካብ ኣፍደገ ቤታ ተመልሰ።
ኣብዚ እዋን እዚኸ ክንደየኖት ኢና ኣምላኽ ክበጽሓና መጺኡ ከብቅዕ ብነገራትና ተሓላሊኽና ጻዊዒቱ ከይሰማዕናዮ ንሓልፍ? ወይ ድማ በቲ ዘለናዮ ነገር ዓጊብና ጽቡቕ እየ ዘለኹ ብምባል ኣፍደገና ምኽፋት ዝኣበና? “እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።” ዝብልሲ ንሓደስቲ ጥራይዶ ይመስለና?
ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ወገን ህይወተይ ናትካ ምብጻሕ የድልየኒ እዩ። ዕለት ዕለት ድማ ድልው ኮይነ፡ ኣፍደገ ልበይ ከፊተ ክጽበየካ፡ ብሕልኽላኽ ናብራን ካልእ ናተይ ዝብሎ ነገራትን ተታሒዘ ነቲ ናትካ ምብጻሕ ከይስሕቶ መንፈሰይ ኣንቅሓዮ። ብስም የሱስ ኣሜን!