ፈልፋሊ ወይስ ሓጽቢ እዩ ዘሎና? [Sunday 8th Oct 2023]

Posted on 2023-10-08 · 599 · 0 · 0

122 resources uploaded

ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኤር.2:12-13

ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና ክንዮ እቲ ስጋዊ ኣካል መንፈሳውያን ፍጥረት ኢና። ስለዚ እዩ ድማ ሰብ ከም እንስሳ በሊዑ ጸጊቡን ደቂሱ ኣዕሪፉን ጥራይ ዓጊቡ ክነብር ዘይክእል። ኣብ ውሽጡ ክምላእ ዘለዎ ሃጓፍ ኣለዎ። ንዕኡ ንምምላእ ድማ ዝተፈላለየ ነገራት እዩ ዝገብር። ሃብቲ፣ ክብረት ይኹን ስልጣን ነዚ ሃጓፍ መሊኦም ንሰብ ከዕግብዎ ብቕዓት ኣይረኸቡን። ነዚ ሃጓፍ ወይ ጽምኢ ከርዊ ዝኽእል ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።

ኣምላኽ ከም ፈልፋሊ ማይ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽምኢ ብፍጹም እዩ ዘርውዮ። ካብኡ ርሒቕና ብናትና እንብሎ ነገራት ክንረዊ ንፍትን እንተሃሊና፣ ናትና ሓጽቢ ኢና ንሃንጽ ዘሎና ማለት እዩ። እቲ ሓጽብና ድማ ነቓዕ ስለ ዝኾነ ይትረፍዶ ንጽምኣትና ከርውየልና ዝኽእል ማይ ክህበናስ ነቲ ንእክቦ ኣሎና እንብሎ ማይ እውን ኣይክዕቅበልናን እዩ። ካብ ኣምላኽ ርሒቕና ንጽምኣትና ከነርዊ ምስ እንፍትን ድማ ክልተ ክፉእ ነገር ንገብር ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ ንውሽጣዊ ጽምኣትና ከነርዊ ናበይ ኢና ንኸይድ? ናብቲ ፈልፋሊ ዝኾነ ኣምላኽ ዲና ንኸይድ ወይስ ናትና ዝኾነ መዕገቢ መገዲ እና እንሃንጽ ወይ እነናዲ ዘሎና?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ከምቲ ኢራብ ናብ ዓይኒማያት እትናፍቕ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ንዓኻ ትናፍቕ ኣላ። ንስኻ ጥራይ ኢኻ ንውሽጠይ ተዕግቦ እሞ ደድሕሬኻ ክጎዪ ኢደይ ሒዝካ ሰሓበኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments