Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

fatherhood


ምሳሌ 20:7 | 10 Helpful votes

ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 9 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
መዝሙር 103:13 | 8 Helpful votes

ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:1-9 | 7 Helpful votes

ኣቱም ቈልዑተግሳጽ ወላዲ ስምዑልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ ኣቕልቡጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ። ኣነውን ነቦይ ውሉድንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ። ሽዑ ኣስተምሀርኒ በለኒውንልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ንጥበብ ኣጥርያንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብልኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ክትሕልወካኣፍቅራ፡ ንሳውን ክተዕቍበካ እያ። ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ከተብለካ እያእንተ ሐቔፍካያከተኽብረካ እያ። ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:19 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሩኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉንጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን፡ ምእንቲ ኺእዝዞምፈለጥክዎ፡ በለ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:21 | 5 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 5 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ

Translation | Context
መዝሙር 78:5-8 | 4 Helpful votes

እቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለመንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስነቦታትና ኣዘዞም

Translation | Context
ምሳሌ 19:18 | 4 Helpful votes

ገና ተስፋ ኸሎንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።

Translation | Context
ሉቃስ 15:20-24 | 4 Helpful votes

ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ። እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎኣቦኡ ግና ንባሮቱብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱንብላዕንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ

Translation | Context
መዝሙር 68:5-6 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ። ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦምተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ

Translation | Context
3ይ ዮሃንስ 1:4 | 3 Helpful votes

ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።

Translation | Context
ምሳሌ 10:1 | 3 Helpful votes

ምስላታት ሰሎሞንጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 23:9 | 3 Helpful votes

ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:22 | 2 Helpful votes

ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ

Translation | Context
ምሳሌ 3:11-12 | 2 Helpful votes

ወደየከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር

Translation | Context
ማቴዎስ 7:9-11 | 2 Helpful votes

ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦወይስ ዓሳ እንተ ለመኖተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹምንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም

Translation | Context
ሚልክያስ 2:10 | 2 Helpful votes

ንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፡ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም

Translation | Context
እዮብ 1:4-5 | 2 Helpful votes

እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያንይጽውዕወን ነበሩ። እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎምንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ።

Translation | Context
እያሱ 24:15 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያንሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context