1. ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ኣብታ ኣብ ባቢሎን ምዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረት ቤት መጻሕፍቲ ኺደልዩ ኣዘዘ

2. ኣብ ኣሕመታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣደራሽ እዚ ነገር እዚ ነመዘከርታ እተጻሕፎ

3. ብቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ እዚ ትእዛዝ እዚ አዘዘ፡ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ፡ እታ መስዋእቲ ዚስውኡላ ቦታ፡ እታ ቤት ትሰራሕመሰረታ ጽኑዕ ይኹንቁመታ ስሳ እመትምግፍሓ ኸኣ ስሳ እመት

4. ኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕጨይቲ ይኹን። ዋጋኡ ግን ካብ ቤተ ንጉስ ይከፈል

5. እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡክነጻር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኸኣ፡ ኣብ መቕደስ ዮርሳሌም ናብ ቦትኡ ይመለስ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣንብሮ

6. እምበአር ኣታ ታትናይ መስፍን ስግር ክንየው ርባ፡ ንስኻ ሽታር-ቦዝናይ ንስኻትኩም ከኣ ብጾቶም ሰብ ኣፍርሳክ፡ ስግር ክንየው ርባ ዘሎኹም፡ ካብኡ ርሓቑ

7. እቲ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ይተዐየ ሕደግዎ፡ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይትን ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ቦታኣ ይስርሕዋ

8. ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትግብረሎም ዚግባእ፡ እቲ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰርሑ፡ እቲ ዕዮውን ምእንቲ ኸይበኩርሲ፡ እቲ ዚኸፈል ካብቲ ኻብ ክንየው ርባ ዝወጸ ግብሪ፡ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ኪወሀብ ኣዘዝኩ

9-10. ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከኣ ኪጽልዩሉስኵሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዝበሉኹም ኵሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም

11. ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝለወጠ ዘበለ ሰብ ድማ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይውሰዱ እሞ ተኺሎም ኣብኡ ይሸንክርዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቤቱ ጎዱፍ ክትከውን አዚዘ አሎኹ።

12. ነዚ ኺልውጥን ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬፍርሳን ኢሉ ኢዱ ዚዝርግሕ ዘበለ ንጉስን ህዝብን ድማ፡ እቲ ስሙ ኣብኣ ዘሕደረ ኣምላኽ የጥፍአዮኣነ ዳርዮስ አዘዝኩብጥንቃቐ ይግበርዎ

13. ሽዑ ታትናይ፡ እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባንሽታር-ቦዝናይን እቶም ብዞቶምንንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝአዘዘ፡ ብጥንቃቐ ገበርዎ

14. እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከኣ ሰርሑ፡ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ዐየዮም ፈጸምዎ

15. እታ ቤት ድማ ብሳድሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ፡ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈጸመት

16. ደቂ እስራኤልካህናትን ሌዋውያንን ኲሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፡ ነቲ ምቕዳስ ቤት ኣምላኽ ተሓጎሶም ኣብልዐልዎ።

17. ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሚእቲ ዝራብዕ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑልኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ

18. ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ካህናት በብስርዓቶምሌዋውያን በብኽፍሎም፡ ኣብ ዮርሳሌም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኣቖሙ

19. እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኸኣ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲጋ ኣብዐሉ።

20. ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ነጺሆም ነበሩ እሞ፡ ኵላቶም ነጽሁ። ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ዅላቶም ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ፋስጋ ሓረዱ

21. እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ ዅላቶምን በልዑ

22. እግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ኣምላኽ እስራኤልንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ፡ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዐሉ