1. እቶም ጸላኣቲ ይሁዳን ብንያምን ከኣ፡ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ

2. ናብ ዙሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም፡ ንሕና ኸኣ ከማኻትኩም ኣምላኽኩም ንደሊ አሎና፡ ካብታ ኤሳርሓዶን ንጉስ ኣሶር ናብዚ ዘምጽኣናመዓልቲ ጀሚርና ድማ ንእኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ ንደሊ አሎና፡ በልዎም

3. ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት እስራኤልን ግና፡ ንሕናስ ከምቲ ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ንሰርሓሉ እምበር፡ ንስኻትኩም ምሳና ዃንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሕሉ ኣይግብአኩምን እዩ በልዎም

4. ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙከይሰርሑ ድማ ኣፈራርህዎም

5. ነቲ ምኽሮም ኬፍርሱ ድማ መኻሮ ተሻየጡሎም። እዚ ኸኣ ብኹሉ ዘመን ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።

6. ኣሓሽዌሮሽ ምስ ነገሰ ድማ፡ ብመጀመርታ መንግስቱ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዩዳን ዮርሳሌምን ዚነብሩ ኽሲ ጸሓፉ

7. ብዘመን ኣርታሕሻስታ ኸኣ ቢሻምሚትሬዳትጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብጾቱን ናብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ጸሐፉጽሕፈት እታ ደብዳበ ኸኣ ብኣራማይስጢ ተጻሒፉ ነበረ እሞ፡ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጎመት

8. ረሑም እቲ ሹምን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸምዚ ኢሎም ኣንጻር ዮርሳሌም ደብዳበ ጸሐፉ፡ -

9. ሽዑ ረሑም እቲ ሹምን ሽምሻይ ጸሓፍን እቶም ዝተረፉ ብጾቶም ዲናውያንን ኣፋርሳትካውያንን ጣርጳላውያንን ኣፋርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሽሻንካውያንን ዴዳውያንን ኤልማውያንን

10. እቶም እቲ ዓብይን ክቡርን ኦሰናፍር ኣግዒዙ ኣብ ከተማ ሰማርያ ዘቐመጦም ካልኦት ህዝብታትን እቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር ክንየው ርባን፡ … ወዘተኮይኖም ጸሓፉ። -

11. ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዚ እዩ፡ እቶም ሰብ ስግር ክንየው ርባ ባሮትካ፡ ወዘተ…

12. እቶም ካባኻ ዝደየቡ ኣይሁድናባና ኣብ ዮርሳሌም ከም ዝመጹ እሞ ነታ ዓለወኛን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለዉ፡ መካበብያኣ ኸኣ ከም ዝፈጸሙ መሰረታ ድማ ከም ዘጽንዑንጉስ ይፍለጥ

13. ሕጂ ኸኣ እዛ ኸተማ እዚኣ እተን ተሰሪሓመከባቢኣውን እንተ ተሓዲሱግብርን ፈሰስን ተጎን ከም ዘይህቡ እሞ፡ መዝገብ ንጉስ ከም ዚጉዳእንጉስ ይፍለጥ

14. እምበኣርሲ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ ካብ እንበልዕ፡ ጉድኣት ንጉስ ስቕ ኢልና ኽንርኢ ዘይግብኣና እዩ፡ ስለዚ ልኢኽና ንንጉስ ኣፍለጥናዮ

15. ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ኣቦታትካ ይመርምሩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዓላዊት ከተማ ኸም ዝዀነት፡ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጎድኤት፡ ካብ ጥንቲ ኸኣ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ኽትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት

16. እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደኣ ተሰሪሓመከባብያኦ ኸኣ እንተ ተሓዲሱ፡ ስግር ክንየው ርባ ኽፍሊ ኸም ዜብልካንንጉስ ንነግር አሎና።

17. ንጉስ ኣብ ረሑም ሹምን ኣብ ሺምሻይ ጸሓፍን ኣብቶ ኣብ ሰማርያን ኣብ ካልእን ኣብ ስግር ክንየው ርባ ዝተረፉ ብጾቶምን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደሰላምወዘተ

18. እታ ናባና ዝሰደድኩዋ ደብዳበ ብግልጺ ኣብ ቅድመይ ተነቢቡ

19. ኣነ ድማ ኪምርምሩ ኣዘዝኩመርመሩ እሞ፡ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ነገስታት ከም ዝተንስኤት፡ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም እተገብረ ተረኸበ

20. ኣብ ዮርሳሌም ከኣ ንስግር ርባ ዝነብረ ዅሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩግብርን ፈሰስን ተጎን ከኣ ንኣታቶም ይወሀብ ነበረ።

21. እምበኣርሲ ኻባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዚወሀብእቶም ሰባት ስራሕ ኪሓድጉእታ ኸተማ ኸኣአ ከይትስራሕኣዝዙ

22. በዚ ነገር እዚ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑስለምንታይ እቲ ንነገስታት ዚጎድእ ክፉእ እናበዝሔ ዚኸይድ።

23. እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ ቅድሚ ረሑምን ሽምሻይ ጸሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብጾቶምን ምስ ተነበትቀልጢፎም ናብ ዮርሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፡ ብቕልጽምን ብሓይልን ካብ ምዕያይ ኣብኮርዎም

24. ሽዑ ዕዮ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በኾረ፡ ክሳዕ እታ ኻልኣይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ በኾረ