1. እቶም ደቂ ሃገርነቡክነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎም ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡእተመልሱ እዚኣቶም እዮም።

2. እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹእያሱነህምያሰራያርዔላይማርዶካይቢልሻንሚስጳርቢግዋይረሑምባዓና እዮም።

3. ደቂ ፈርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን

4. ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን

5. ደቂ ኣራሓ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን

6. ደቂ ፋሓት-ሞኣብ ካብ ደቂ እያሱ ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን

7. ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን

8. ደቂ ዛቱ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን

9. ደቂ ዘካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን።

10. ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን

11. ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን

12. ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን

13. ደቂ ኣዶኒቃም ሹዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን

14. ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን

15. ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን

16. ደቂ ኣጤር ካብ ዓሌት ህዝቅያስ ተስዓን ሾሞንተን

17. ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን

18. ደቂ ዮራህ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን

19. ደቂ ሓሹም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን

20. ደቂ ጊበር ተስዓን ሓሙሽተን

21. ደቂ ቤት-ልሄም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን

22. ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሹዱሽተን

23. ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን

24. ደቂ ዕዝማዌት ኣርብዓን ክልተን

25. ደቂ ቂርያት-ዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን

26. ደቂ ራማን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን

27. ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ሓደን

28. ሰብ ቤት-ኤልን ዓይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን

29. ደቂ ኔቦ ሓምሳን ክልተን

30. ደቂ ማግብሽ ሚእትን ሓምሳን ሹዱሽተን

31. ደቂ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን

32. ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን

33. ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን

34. ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን

35. ደቂ ሰናኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን

36. ካህናትደቂ የዳዕያ ካብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን

37. ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን

38. ደቂ ፋሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዐተን

39. ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን

40. ሌዋውያንደቂ እያሱን ቀድሚኤልን፡ ካብ ደቂ ሆዳውያሰብዓን ኣርባዕተን

41. ዘመርቲደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን

42. ደቂ ኣጋፈርቲ፡ ደኢ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቑብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ እዚኣቶም ኵላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን

43. ነቲነምደቂ ጸሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣብዖት

44. ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓህ፡ ደቂ ፋዶን

45. ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ዓቑብ

46. ደቂ ሓጋብ፡ ደቂ ሻምላይ፡ ደቂ ሓናን

47. ደቂ ጊዳል፡ ደቂ ጋሓር፡ ደቂ ረኣያ

48. ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቖዳ፡ ደቂ ጋዛም

49. ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ፡ ደቂ ቤሳይ

50. ደቂ ኣሰና፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሲም

51. ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር

52. ደቂ ባጽሎት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ

53. ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲስራ፡ ደቂ ታማሕ

54. ደቂ ነጺኣሕደቂ ሓጢፋ

55. ደቂ ገላው ሰሎሞን፡ ደቂ ሰጣይ፡ ደቂ ሰፋረት፡ ደቂ ፋሩዳ

56. ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደጊ ጊደል

57. ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶኮረት-ሃጸባይም፡ ደቂ ኣሚ

58. ኵላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።

59. እዚኣቶም ድማ ካብ ተል-ሜላሕን ካብ ተል-ሓርሻን ካብ ካሩብ ኣዳንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ እዮም እሞ፡ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ኪነግሩ ዘይከአሉ፡

60. ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን

61. ካብ ደቂ ኻህናት ከኣ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ባርዚለይ እዮም።

62. እዚኣቶም ጽሕፈት ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይረኽቡን፡ ስለዚ ኸም ርኹሳት ካብ ካህናት ተኸልከሉ።

63. እቲ ቲርሻታ ኸኣ፡ ንኡሪምን ንቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚትንስእ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ በሎም

64. ኵሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓንን ክልተን ሽሕኝ ሰለሰተ ሚእትን ስሳን ነበረ።

65. ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ ንሳቶም ሾብዓተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ነበሩ። ዚዝመሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእቲ ነበርዎም

66. ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰሳን ሽድሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን

67. ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተንኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ።

68. ገላ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከኣ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ቦትኣ ኺሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሀቡ

69. ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዚኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ብሩርልብሰ ኽህነት ድማ ሚእቲ ሀቡ

70. ካህናትን ሌዋውያንን ገላ ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ከኣ ኣብ ከተማታቶምእስራኤል ድማ ኵላቶም ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ