1. እዝራ እናጸለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገጹ ወዲቑ ኸሎካብ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ኣኼባሰብኡትን ኣንስትን ቀለውዕን ናብኡ ተአከበ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ

2. ካብ ደቂ ዔላም ሸካንያ ወዲ የሔኤል ንእዝራ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕጂ ኸኣ በዚ ነገር እዚ ንእስራኤል ገና ተስፋ አሎ።

3. እምበአርሲ ሕጂ ኸም ምኽሪ ጐይታይን እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሁንከምቲ ሕጊ ድማ ኪግበርን ንኹለን ኣንስትን እቶም ካባታተን ኣተወልዱን ክንሰደድ፡ ምስ ኣምላኽና ኺዳን ንአቱ

4. እዚ ነገር እዚ ተግባርካ እዩ እሞ ተንስእተቢዕካ ግበሮ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።

5. ሽዑ ኸኣ እዝራ ተንሲኡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንዅላቶም እስራኤልን ከምዚ ነገር እዚ ኽገብሩ ኣምሓሎም፡ ንሳቶም ከአ መሐሉ

6. እዝራ ድማ ካብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ተንሲኡ፡ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ ኸይዱ ኸኣ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጉሂ ነበረ እሞ እንጌራ ይበልዔን ማይ ኣይሰተየን

7. እቶም ደቂ ምርኮ ኹሎም ናብ ዮርሳሌም ኪእከቡ ድማ ኣብ ይሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ።

8. ከም ምኽሪ እቶም ሓለቓታትን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ገንዘቡ ይወረስ፡ ንሱ ድማ ካብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወጹ ይፈለ

9. በተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኲሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ። ንሳ ኻብታ ታስዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኲሎም እቶም ህዝቢ በዚ ነገር እዝን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናኣአብቀጥቀጡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ።

10. እዝራ ኻህን ከአ ብድድ ኢሉ፡ ንስኻትኩም ንዓመጽ እስራኤል ከተብዝሑጓኖት ኣንስቲ ብምእታኩም በደልኩም

11. ሕጂ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣታትኩ ተናዘዙፍቓዱውን ግበሩ፡ ካብ ህዝብታት እዛ ሃገርን ካብተን ጓኖት ንስትን ተፈለዩ በሎም።

12. ሽዑ ኹሎም እቶም ኣኼባ ቓሎም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፡ ሕራይ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብኣና ኢዩ።

13. እቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ጊዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን።

14. እቶም ሓላቑና ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዚረኸበና ነዳዲ ቑጥዓ ኣምላኽናኣ ኻባና ኽሳዕ ዚምለስሲ፡ እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኣብ ከተማታትና ዘለዉ፡ ምሳታቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ኹለን ከተማታትን ብምዱብ ግዚያት ይምጽኡ

15. ዮናታን ወዲ ዓሳህኤልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ጥራይ ነዚ ተቓወምዎ፡ መሹላምን ሾብታይ ሌዋውን ከአ ሓገዝዎም

16. እቶም ደቂ ምርኮ ኸኣ ከምኡ ገብሩእዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኵላቶም በብስሞም ፈለይዎምብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዚ ነገር እዚ ኽምርምሩ ኾፍ በሉ

17. ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኹሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ

18. ካብ ደቂ ኻህናት ከአ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ተረኸቡ፡ ካብ ደቂ እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ኣሕዋቱን ድማ፡ ማዓሰያን ኤሊዔዘርን ያሪብን ገዳልያን

19. ንሳቶም ኪሰዱ ኣእዳዎም ሀቡበደልቲ ኾይኖም ከአ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ ድዑል ሰውኡ።

20. ካብ ደቂ ኢመር ድማ፡ ሓናኒን ዝባድያን

21. ካብ ደቂ ሓሪም ከአ፡ ማዓስያን ኤልያን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዚያን

22. ካብ ደቂ ጳሽሑርውንኤል-ዮዔናይማዕሰያእስማዔልንታንኤልዮዛባድን ኤልዓሳን

23. ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ዮዛባድን ሺምዓን ቄላያን፡ ንሱ ቅሊጣ እተባህለ፡ ጴታሕያይሁዳኤልዔዘር ከአ።

24. ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ። ካብ ኣጋፈርቲውንሻሎምን ጠለምን ኡሪን

25. ካብ እስራኤል ከአ ካብ ደቂ ፋርዖሽራምያን ዩዝያን ማልክያን ሚያሚን ኤልዓዛርን ማልክያን በናያን

26. ካብ ደቂ ዔላም ድማ፡ ማታንያን ዘካርያን የሒኤልን ዓቢዲን ይሬሞትን ኤልያን

27. ካብ ደቂ ዛቱውንኤልዮዔናይኤልያሺብማታንያን ይሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን

28. ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ይሆሓናን ሓናንያን ዘበይን ዓትላይን

29. ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላም ማሉክዓዳያያሹብሸኣልን ይራሞትን

30. ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ ከአ፡ ዓድናክላል በናያ ማዓሰያማታንያ ብጻልኤልቢኑኢን ምናሴን

31. ካብ ደቂ ሓሪም ድማ፡ ኤልዔዘር ዮሺያማልኪያሸማዕያሽምዖን

32. ቢንያሚንማሉክ ሽማርያ

33. ካብ ደቂ ሑሹም መትናይማታትዛባድ ኤልፈለጥይሬማይ ምናሴሺምዒ

34. ካብ ደቂ ባኒማዓዳይዓምራምኡኤል ከአ፡

35. በናይቤድያክሉሂ

36. ዋንያመሬሞትኤልያሺብ

37. ማታንያማትናይየዓሳው ድማ፡

38. ባኒን ቢኑኢን ሺምዓን

39. ሸለምያን ናታንን ዓዳያን

40. ማክናድባይ ሸሻይሻራይ

41. ዓዛርኤል ሸለምያን ሽማርያን

42. ሻሎምኣምርያዮሴፍ

43. ካብ ደቂ ኔቦይዒኤልማቲትያዛባድዘቢናያዳይዮኤልንን በናያን

44. እዚኣቶም ኲሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፡ ካባታተንውን ዝወለዳ ኣንስቲ ነበራ።

Chap 9