1. ከም ጥበበኛ መን እዩ፡ ምትርጓም ነገር ዚፈልጥከ መን እዩ፡ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ ድርቅና ገጹ ኸኣ ትልውጦ

2. ኣነ፡ ስለ ማሕላ ኣምላኽ ኢልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሐልዎ፡ እብለካ አሎኹ።

3-4. ቃል ንጉስ ስልጡን እዩ እሞ፡ ንምንታይ እዚ ገበርካዚብሎ መን እዩ፧ እምበኣርሲ ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ እሞ፡ ካብ ገጹ ንምርሓቕ ኣይትተሀወኽ፡ ኣብ እኩብ ነገር ኣይትጽናዕ

5-6. እቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንዅሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን አለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸኣ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡

7. ነቲ ዚኸውን ኣይፈልጦን እዩ፡ ከምይ ከም ዚኸውን ዚነግሮ ደኣ መን እዩ፡

8. ሰብ ንንፋስ ኪኽልክሎ ስልጣን የብሉን፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ዚስልጥንውን የልቦን፡ ኣብ ውግእ ከም ምስንባት የልቦን፡ ረሲእነት ነቲ ገባሪኡ ኣየድሕኖን

9. እዚ ዅሉ ርኤኹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግብሪ ኣቢለ ኸኣ ልበይ ኣቕናዕኩሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣት ዚስልጥንሉ ጊዜ አሎ።

10. ከምኡ ኸኣ ረሲኣን ከም እተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝአተውን ርኤኹ። እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ካብታ ቅድስቲ ስፍራ ረሐቑ፡ ኣብታ ኸተማ ኸኣ ተረስዑ። እዚውን ከንቱነት እዩ።

11. እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፈርድን እዩ እሞ፡ ስለዚ ልብቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ

12. ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ እኩይ እንተ ገበረ፡ መዓልትታትውን እንተ ኣንውሔ፡ ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚኾነሎም፡ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ።

13. ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይፈርህን እዩ እሞ፡ ሰናይ ኣይኮነሉን፡ ንመዓልትታቱውን ከም ጽላሎት ገይሩ ኣየንውሕን

14. ኣብ ምድሪ ዚግበር ከንቱነይ አሎ፡ ከም ግብሪ ረሲኣን ዚበጽሖም ጻድቃን አለው፡ ከም ግብሪ ጻድቃን ዚበጽሖም ረሲኣን ድማ ኣለውእዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ

15. ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ፡ ንታሕጓስ አመስገንኩ፡ እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ።

16. ሰብሲ ለይትን መዓልትን ኣዒንቱ ሰለምታ ኣይርእያን እየን እሞ፡ ንጥበብ ክፈልጣ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ውራይ ክርኢ ንልበይ ምስ ኣቕናዕክዎ

17. ሽዑ ብዛዕባ ዅሉ ግብሪ ኣምላኽሰብ ኪምርምሮ ኢሉ እንተ ጸዐረኣይረኽቦን እዩ እሞ፡ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ግብሪ ኺረኽቦ ኸም ዘይክእል፡ ርኤኹጥበበኛውን ዚፈልጦ እንተ መሰሎኪረኽቦስ ኣይክእልን እዩ።