1. ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎ፡ ንሰብ ኣዝዩ ዚኸብዶ መግደራ አሎ፡
2. ኣምላኽሲ ሃብትን መዝገብን ክብርን ንሰብ ሀቦ፡ ካብቲ ዝድለዮ ዘበለ ኸኣ ነፍሱ ሓደ እኳ ኣይሰአነትን፡ ግናኸ ካልእ ሰብ ይበልዖ እምበር፡ ካብኡ ኺበልዕ ኣምላኽ ኣየሰልጠኖን። እዚ ኸንቱነትን ዝኸፍኤ መግደራን እዩ።
3. ሰብ ሚእትን ቘልዓ እንተ ዚወልድ፡ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዚነብር፡ መዓልትታት ዕድሜኡውን እንተ ዚበዝሕ፡ ነፍሱ ግና ብሰናይ እንተ ዘይጸገበት፡ መቓብርውን እንተ ዘይረኸበ፡ ካብኡስ ቊላዕ ይሐይሽ፡ እብል አሎኹ።
4. ብኸንቱነት ይመጽእ፡ ብጸልማትውን ይኸይድ እዩ እሞ፡ ስሙ ብጸልማት ይኸወል።
5. ንጸሓይ ኣይርእያን፡ ኣይፈልጣን፡ ካብትስ እዚ ዝበለጸ ዕረፍቲ አለዎ።
6. ክልተ ሽሕ ዓመት እኳ ብህይወት እንተ ዚነብር፡ ብገለ ሰናይ ባህ ካብ ዜብል፡ ኩሎምሲ ናብ ሓንቲ ቦታዶ ኣይኮኑን ዚኸዱ።
7. ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን።
8. ጥበበኛ ሓለፋ ዓሻ እንታይ ይጠቅም፡ ኣብ ቅድሚ ህያው ምኻድ ዚፈልጥ ድኻኸ እንታይ ይጠቅም፡
9. ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ በዒንቲ ምጥማት ይሐይሽ፡ እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
10-12. ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደኣ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየ፡ ሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...