1. ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎንሰብ ኣዝዩ ዚኸብዶ መግደራ አሎ

2. ኣምላኽሲ ሃብትን መዝገብን ክብርን ንሰብ ሀቦ፡ ካብቲ ዝድለዮ ዘበለ ኸኣ ነፍሱ ሓደ እኳ ኣይሰአነትን፡ ግናኸ ካልእ ሰብ ይበልዖ እምበር፡ ካብኡ ኺበልዕ ኣምላኽ ኣየሰልጠኖን። እዚ ኸንቱነትን ዝኸፍኤ መግደራን እዩ።

3. ሰብ ሚእትን ቘልዓ እንተ ዚወልድብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዚነብር፡ መዓልትታት ዕድሜኡውን እንተ ዚበዝሕነፍሱ ግና ብሰናይ እንተ ዘይጸገበትመቓብርውን እንተ ዘይረኸበ፡ ካብኡስ ቊላዕ ይሐይሽእብል አሎኹ።

4. ብኸንቱነት ይመጽእብጸልማትውን ይኸይድ እዩ እሞ፡ ስሙ ብጸልማት ይኸወል

5. ንጸሓይ ኣይርእያንኣይፈልጣን፡ ካብትስ እዚ ዝበለጸ ዕረፍቲ አለዎ።

6. ክልተ ሽሕ ዓመት እኳ ብህይወት እንተ ዚነብር፡ ብገለ ሰናይ ባህ ካብ ዜብል፡ ኩሎምሲ ናብ ሓንቲ ቦታዶ ኣይኮኑን ዚኸዱ

7. ሰብ ጻዕሩ ዘበለ ንኣፉ እዩ፡ ምስናይዚ ግና ዊንታኡ ኣይጸግብን

8. ጥበበኛ ሓለፋ ዓሻ እንታይ ይጠቅም፡ ኣብ ቅድሚ ህያው ምኻድ ዚፈልጥ ድኻኸ እንታይ ይጠቅም፡

9. ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ በዒንቲ ምጥማት ይሐይሽ፡ እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

10-12. ንኸንቱነት ዜብዝሖ ብዙሕ ቃላት እዩ፡ ንሰብ ደኣ እንታይ ይጠቕሞብህይወቱ ኸሎ፡ በቲ ኸም ጽላሎት ዜሕልፎ ቑጽሪ መዓልትታት ከንቱ ህይወቱ፡ ንሰብ ሰናይ ዚኾኖ ዚፈልጥ መን እዩ፡ ንሰብከ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን መን ይነግሮ፡ እምበኣርሲ እቲ ዘሎ ቐደም ብስሙ ተሰምየሰብውን እቲ ዝኾኖ ፍሉጥ እዩ፡ ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪከራኸር ከአ ኣይክእልን።