1. ኣነ ብልበይ፡ እምበአርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ እዚውን ከንቱነት እዩ።

2. ንሰሓቕዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከአ፡ እንታይ ትጠቅምበልክዎም

3. ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ፡ ልበይ ብጥበብ እነመርሓንስንስጋይ ወይኒ ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸኣ ክሕዛ ሐሰብኩ

4. ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩኣባይቲ ንኣይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩ

5. ኣታኽልትን ገነታትን ንኣይ ገብርኩ። በብዓይነቱ ፍሬታት ዚፈሪ ኣእዋም ከአ ተኸልኩሉ

6. ነቲ ኣብ ዱር ዝበቖለ ኣእዋም ምእንቲ ኽስተየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ

7. ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከአ ነበሩኒ፡ ብዙሕ እንስሳ፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሕ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ።

8. ብሩርወርቂ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከአ መዝገባት ኣከብኩደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከአ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ

9. በዚ ኸምዚ ዓብዩ ኾንኩ፡ ሐለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድማ እናዐቤኹ ኸድኩ። ጥበበይውን ምሳይ ጸንዔት

10. ኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎንልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ዅሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ።

11. ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።

12. እቲ ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብ እንታይ ኪገብር እዩ፡ ነቲ ድሮ እተገብረ እዩ። እምበኣርሲ ንጥበብን ንዕሽነትን ድንቁርናን ክጥምት ምልስ በልኩ።

13. ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽጥበብ ካብ ድንቁርና ኸም እትበልጽ ርኤኹ

14. ጠቢብ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፡ ዓሻ ግና ኣብ ጸልማት ይመላለስ። ግናኸ ንዅሎም ዚበጽሖም መወዳእታስ ሓደ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ።

15. ኣነውን፡ ከምቲ ንዓሻ ዚበጽሖ ንኣይ ከአ ኪበጽሐኒ እዩ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ንምንታይ ደኣ ኣዝየ ጥበበኛ ዘይኮንኩ፡ ብልበይ ድማ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ

16. በተን ዚመጻ መዓልትታት ኵሉ ይርሳዕ ስለ ዝዀነ፡ መዘከርታ እቲ ጠበብኛ ከምቲ ናይቲ ዓሻ ንሓዋሩ ኣይነበርን እየ እሞ፡ ኣየ፡ እቲ ጥበበኛስ ከምቲ ዓሻ ይመውት

17. ኩኡ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ

18. ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ዅሉ ዕዮይ ጸላእክዎ

19. ንሱኸ ጠቢብ ኪኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፡ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ዀይኑ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዚጊይተተሉ፡ እዚውን ክንቱነት እዩ።

20. ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቖረጽክዎ።

21. እንሆ፡ ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝጸዐረ ሰብ አሎ፡ ግናኸ ንዘይደኽመለኡ ሰብ እዩ ዜውርሶ። እዚውን ከንቱነት ዓብዩ ወጽዓን እዩ።

22. ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኵሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፡

23. ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እዩ፡ ዕዩኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዐርፍን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።

24. ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ

25. ካባይ ኣብሊጹ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፡

26. ነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።