1. ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉእከይ ከም ዝገበሩ ኣይልጡን እዮም እሞ፡ ካብ ናይ ዓያሱ መስዋእቲ ሕሩድሲ ኽትሰምዕ ምቕራብ ደኣ ይሐይሽ።

2-3. ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።

4. ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉንምፍጻሙ ኣይትደንጉብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞ

5. ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስዘይምምብጻዕ ይሐይሽ

6-7. ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን አሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውንጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።

8. ካብቲ ልዑልሲ ልዕል ዝበለ ዝጥምት አሎ፡ ካብኣቶም ልዕል ዝበሉ ኸኣ አለው እሞ፡ ድኻ ኺጥቃዕ ኣብ ሀገር ከአ ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ፡ ኣይትገረም

9. ግናኸ ጥቕሚ መሬት ንዅሉ እዩ፡ ንጉስ እኳ ብሕርሻ ይጥቀም

10. ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብንሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።

11. ጥሪት እንተ በዝሔበላዕቱ ይበዝሑንመጥረይኡ ደኣ፡ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮኑስ፡ እንታይ ይጠቕሞ

12. እቲ ዓያዩ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔጥዑም ድቃስ ይድቅስንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን

13. ዜሕዝን መግደራ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎስ፡ እቲ ንጉድኣት መጥረይኡ እተደለበ ሃብቲ እዩ።

14. እዚ ሃብቲ እዚ ብድንገት ይጠፍእወዲ እንተ ወለደ ኸኣ፡ እቲ ወዱ ጥራይ ኢዱ ይተርፍ።

15. ከምቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቱ ዝወጸጥራዩ ኸም ዚመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን

16. ከምቲ ዝመጾ እዩ ዚኸይድ እሞ፡ እዚውን ዜሕዝን መግደራ እዩ፡ ንንፋስ ዝጸዐሮ ደኣ እንታይ ኪረብሖ እዩ፡

17. ኩለን መዓልትታቱ ኣብ ጸልማት ይበልዕብዙሕ መከራን ሕማምን ኩራን ከአ አለዎ።

18. እንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎ

19-20. ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።