1. ቃላት እቲ ሰባኺወዲ ዳዊት ንጉስ ዮርሳሌም

2. ከንቱነት ናይ ከንቱነታትይብል እቲ ሰባኺከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኵሉ ኸንቱነት እዩ።

3. ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዅሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ

4. ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም

5. ጸሓይ ድማ ትበርቕጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ

6. ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ

7. ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአንወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።

8. ኵሉ ነገር ይጽዕርሰብ ኪዛረብ እኳ ኣይኽእልንዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን

9. እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸኣ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን።

10. ሰብሲ፡ እንሆ፡ እዚኣ ሓዳስ እያ፡ ዚብለላ ነገርዶ አላ እያድሮ በቲ ቕድሜና ዝነበረ ዘመናት ዝነበረት እያ።

11. እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸኣ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን።

12. ኣነ ሰባኺ ኣብ ዮርሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ።

13. ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ።

14. ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዅሉ ተግባር ርኤኹ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

15. ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልንእተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን።

16. ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ።

17. ንጥበብ ክፈልጣንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ

18. ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ አሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ ይበዝሕ