1-2. ዎ እስራኤልስማዕሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም፡ ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፧ ኪበሀል ዝሰማዕካክትወርሶም ክትኣቱ ኢኻ።

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ኸም ዚባላዕ ሓቂ ቐቅድሜኻ ኸም ዚሓልፍ ከኣ፡ ሎሚ ፍለጥንሱ ኼጥፍኦም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኼዋርዶም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረበካከተውጽኦምቀልጢፍካ ድማ ከተጽንቶም ኢኻ።

4. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጎም ድማ፡ ብልብኻጻድቕ ብምዃነይ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽወርሳ ኣእትወኒኣይትበል። ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎስ ሕሱማት ብምዃኖም ደኣ እዩ።

5. ብጽድቅኻን ብቕንዕና ልብኻን ኣይኰንካን ንስኻ ንምድሮም እትኣትዋን እትወርሳን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ፡ በቲ ሕሱም ዝገበርዎ፡ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ነቦታትካንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብንዝመሐለሎም ነገር ምእንቲ ኬቕውም ደኣ እዩ።

6. ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ስለ ጽድቅኻ ርስቲ ገይሩ ኸም ዘይሀበካፍለጥ

7. ዘክርእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዘዀሬኻዮኣይትረስዕካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ዐሎኹምዎ

8. ኣብ ሆሬብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ተናዲዱኩም ኬጥፍኣኩም ደለየ።

9. ነተን ጽላት እምኒ፡ ናይቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን፡ እቲ ጽላት ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩ፡ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ።

10. እግዚኣብሄር ድማ፡ በጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፉ ኽልተ ጽላት እምኒ ሀበኒከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ምሳኻትኩም እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ከኣ ኣብኤን ተጽሒፉ ነበረ።

11. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እግዚኣብሄር እተን ክልተ ጽላት እምኒጽላት ኪዳንሀበኒ

12. እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ንርእሱ ኣባላሽዩ፡ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶምዝፈሰሰ ምስሊ ገይሮም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ውረድበለኒ

13. እግዚኣብሄር ከኣ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ አሎኹ፡ እንሆ፡ ንሱ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ።

14. ከጥፍኦምስሞምውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፡ ንኣኻ ድማ ካባታቶም ዚሕይልን ዚበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ ኢሉ በለኒ።

15. ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ እቲ ኸረን ድማ ብሓዊ ይነድድ ነበረ፡ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከኣ ኣብ ክልቲኤን ኢደይ ነበራ።

16. ጠመትኩ ድማ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በደልኩም፡ ንኣኻትኩም ዝፈሰሰ ምራኽ ገበርኩም፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም

17. እተን ክልተ ጽላት ሐዝኩ፡ ካብ ክልቲኤን ኢደይ ደርብየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሰበርክወን

18-19. በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኰርይዎ ዝነበረ ዅራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝዀነ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ዝገበርኩምዎ ዅሉ ሓጢኣትከምቲ ቐዳማይእንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩበታ ጊዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ

20. ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዖኬጥፍኦውን ደለየ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ምእንቲ ኣሮን ለመንኩ።

21. ነቲ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣትኩም፡ ነቲ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣንደድክዎቀጥቂጠ ኸም ተጐጓ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ኣድኪመ ጠሐንክዎ፡ ነቲ ተጐጓ ኸኣ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዚወርድ ርባ ደርቤኽዎ

22. ኣብ ታብዔራን ኣብ ማሳን ኣብ ቂብሮት-ሂታኣባ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ

23. እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይቡ እሞ ነታ ዝህበኩም ምድሪ ውረስዋ፡ ኢሉ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ለኣኸኩም፡ ሽዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዐሎኹምዎ ኣይአመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን።

24. ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ንነጀው ንእግዚኣብሄር ዓለውቲ ኢኹም ዝነበርኩም።

25. እግዚኣብሄርከጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ በተን ተደፊኤለን ዝነበርኩ ኣርብዓ መኦኣልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩ

26. ንእግዚኣብሄር ድማ ለመንክዎበልኩውን፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ነቲ ብዕቤትካ ዘድሐንካዮብሓያል ኢድካውን ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍእ

27. ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር። ናብ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ህልኽን ምሕሳምን ሓጢኣትን ኣይትጠምት

28. እታ ኻብኣ ዘውጻእካና ሃገርእግዚኣብሄር ናብታ ዘተስፈዎም ሃገር ኬእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝጸልኦምን፡ ምእንቲ ኣብ በረኻ ኺቐትሎም ኣውጽኦምከይትብል

29. እዚኣቶምሲ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም።