1. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ዅሎም ህዝብታት ኴንካ ኸኣ፡ ናብ ልብኻ ተመሊስካ እንተ ሐሰብካዮ፡

2. ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ፡ ንስኻን ደቅኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ተመለስካቃሉ ድማ እንተ ሰማዕካ

3. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምርኮኻ ይመልስይድንግጸልካ ኸኣ፡ ካብቶም ናባታቶም ፋሕ ኣቢሉካ ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሊሱ ኺእክበካ እዩ።

4. እቶም ስጉጓትካ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ በጽሑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ ካብኡ ኺእክበካ፡ ካብኡውን ኬምጽኣካ እዩ።

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ናብታ ኣቦታትካ ዝወረስዋ ምድሪ ኼእትወካ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ ክትወርሳ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ኼጸብቐልካ፡ ካብ ኣቦታትካ ድማ ኬብዝሓካ እዩ።

6. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ምእንቲ ኸተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ኪገዝር እዩ።

7. እዚ ዅሉ መርገም እዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጸላእትኻን ናብቶም ዚጸልኡኻን ዚሰጉኻን ኪገብሮ እዩ።

8. ንስኻ ድማ ተመሊስካ ንቓል እግዚኣብሄር ትሰምዖ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ኸኣ ትገብሮ

9-10. ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ እንተ ሐሎኻ፡ ናብ እግዚብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሐጒስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ምግባር ኪሕጐስ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ኪመልኣካ እዩ።

11. እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባካ ዝረሐቐን ኣይኰነን እሞ፡

12. ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መን እዩ ከይትብልኣብ ሰማይ ኣይኰነን

13. ባሕሪ ዚስሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና እሞ መን እዩ፧ ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን።

14. እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ።

15. ርኤሎሚ ህይወትን ጽቡቕንሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ።

16. ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገርእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ አሎኹ።

17. ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከኣ እንተ ተስሐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን

18. ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም አሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትኣትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑ

19. ህይወትን ሞትንበረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ

20. ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካንኣብርሃምን ንይስሃቅንንያእቆብንኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ