1. ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልውዎ

2. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቚም እሞ፡ ብኖራ ለቕልቆ።

3. ምስ ተሳገርካ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ እተዛረበካ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽትኣቱስ፡ ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ዅሉ ቓላት ጽሐፍ

4. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኣእማን ኣብ ከረን ዔባል ኣቚምዎብኖራ ኸኣ ለቕልቕዎ

5. ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢብሓጺን ዘይተንኬኻዮ ኣእማን፡ መሰውኢ ንደቕ

6. ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውእስ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቆ፡ ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርግ።

7. መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእካ ኣብኡ ብላዕ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ።

8. ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ግሉጽን ጽቡቕን ጌርካ ኣብቲ ኣእማን ጽሐፎ

9. ሙሴን እቶም ካህናት ሌዋውያንን ከኣ ንዅሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡዎ እስራኤል፡ ስቕ ኢልካ ስማዕሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄናካ ኢኻ።

10. እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ ግበር

11. ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ

12. ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ እዚኣቶም ኣብ ከረን ጌሪዚም ቈይሞም ንህዝቢ ይባርኹስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን

13. እዚኣቶም ድማ ኣብ ከረን ዔባል ቈይሞም ይርገሙሮቤልጋድኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን

14. ሌዋውያን ድማ ይምለሱንዅሉ ሰብ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ድምጺ ይበሉ

15. እተወቕረን ዝፈሰሰን፡ እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖበእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረሐቢኡ ኸኣ ዜንብሮርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜንኢሉ ይምለስ

16. ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜንይበል

17. ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜንይበል

18. ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜንይበል

19. ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን ይበል

20. ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል

21. ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል

22. ምስ ሓብቱጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜንይበል

23. ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል

24. ንብጻዩ ብስዉር ዚቐትል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜንይበል

25. ነፍሲ እቲ ንጹህ ኪቐትል መማለጃ ዚቕበል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜንይበል

26. ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኺገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜንይበል