1. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ እተቐትለ ሰብ ኣብ መሮር ወዲቑ እንተ ተረኽበቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ

2. ሽዑ ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡ ካብቲ እተቐትለ ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታት ይስፈሩ

3. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እታ ናብቲ እተቐትለ ዝቐረበት ከተማ፡ እቶም ዓብየቲ እታ ከተማ ዘይዐየየት ኣርዑት ዘይሰሐበት ኣርሒ ይውሰዱ

4. እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ነታ ኣርሒ ናብ ዘይዕየን ዘይዝራእን ወሓዚ ርባ የውርደዋ። ኣብቲ ርባ ኸኣ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ

5. ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግልዎ ብስሙውን ኪባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡኵሉ ባእስን ኵሉ መፍጋእትን ከኣ ከም ቃሎም ይቑም።

6. ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ዂሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ርባ ኽሳዳ እተሰብረት ኣርሒ ኣእዳዎም ይተሐጸቡ፡

7. ይምለሱ ይበሉ ኸኣ፡ ነዚ ደም እዚ ኣእዳውና ኣየፍሰሶንኣዒንትናውን ኣይረኣያን

8. ዎ እግዚኣብሄርነዚ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፡ ንጹህ ደም ድማ ኣብ ማእከል ህዝብኻ እስራኤል ኣይትቚጸር። እቲ ደም ከኣ ይስረየሎም

9. ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እቲ ቕኑዕ ምስ እትገብር፡ ንስኻ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ

10. ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ፡ ምስ ማረኽካዮምውን

11. ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዔኛ ሰበይቲ እንተ ርኤኻ እሞ ፈቲኻያ ሰበይትካ ኽትገብራ እንተ ደሌኻ፡

12. ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣእትዋርእሳ ኸኣ ትላጺጽፍራውን ትቚረጽ

13. ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳና ድማ ትደርብዩኣብ ቤትካ ትንበር፡ ነቦኣን ነዲኣን ከኣ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎምድሕርዚ ኣእትዋ እሞ ሰብኣያ ኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን

14. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ባህ እንተ ዘይበለትካ፡ ሽዑ ናብ ዝደለየቶ ትኺድ ሕደጋ። ንገንዘብ ግና ከቶ ኣይትሽጣኣዋሪድካያ ኢኻ እሞ፡ ከም ባርያ ኣይትግበራ።

15. ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉእቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡

16. ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኺገብር ኣይኽእልን።

17. ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ

18. ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛንቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም

19. ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡

20. ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡእዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕንህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎም

21. ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።

22. ሰብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ

23. ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደርእቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ኣይተርክሳ