Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

wake up


1ይ ተሰሎንቄ 5:5-6 | 13 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።

Translation | Context
ሮሜ 13:11 | 10 Helpful votes

ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 60:1 | 9 Helpful votes

ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ።

Translation | Context
ራእይ 3:2-3 | 6 Helpful votes

ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 4 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 13:8-14 | 4 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:51-54 | 4 Helpful votes

እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 20:13 | 4 Helpful votes

ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶ፡ ነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:14 | 4 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል።

Translation | Context
ኢሳይያስ 35:3-6 | 3 Helpful votes

ነተን ዝሰነፉ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ። ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹም፡ ኣይትፍርሁ፡ እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ኪመጽእ፡ ባዕሉ ኼጽሕነኩም ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ፡

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 3 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 5:12 | 3 Helpful votes

ተንስኢ፡ ተንስኢ ዴቦራ፡ ተንስኢ፡ ተንስኢ መዝሙር ዘምሪ። ባራቕውን ተንስእ፡ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ ማርኽ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 2 Helpful votes

ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 22:12 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 5:28-29 | 2 Helpful votes

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።

Translation | Context