1. ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነየሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ

2. ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእስራይስጢ ቤት-ሄስዳ ዚብሃልሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ

3. ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማትዕውራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ።

4. እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እንተንሳቐሰ ማይ ዝአተወካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ።

5. ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኣ ነበረ

6. የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፡ በሎ።

7. እቲ ሕሙም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ

8. የሱስ ከኣ፥ ተንስእዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድበሎ

9. እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየዓራቱ ኣልዒልውን ከደእታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት

10. ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፥ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን በልዎ

11. ንሱ ግና፥ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም

12. ንሳቶም፥ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ

13. እቲ ዝሐወየ ግናኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን።

14. ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፥ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስመሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ

15. እቲ ሰብኣይ ከይዱንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም

16. ስለዚብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕዎኪቐትልዎን ይደልዩ ነበሩ።

17. የሱስ ግና፥ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብርኣነውን እገብር አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም

18. ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ።

19. የሱስ መሊሱ በሎምብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎንነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።

20. ኣቦ ንወዲ የፍቕሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮንስካትኩም ምእንቲ ኽትግረሙካብዚ ዚዓቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ።

21. ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።

22-23. ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ።

24. እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

25. እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰሞዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

26. ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትህልዎህይወት ሃቦ

27. ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ

28-29. ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወትእኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።

30. ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ

31. ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሕቂ ኣይከውንን እዩ።

32. ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ አሎእቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምኳኑ እፈልጥ አሎኹ።

33. ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ

34. እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል አሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን

35. ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም

36. ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪእዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለአኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር አሎኒ

37. እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን

38. በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞቃሉውን ኣይሐደረኩምን

39. ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ

40. ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።

41. ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቅበልን እየ።

42. ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ።

43. ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩም ንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።

44. ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም

45. ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩምዚኸስኩምሲ አሎንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ።

46. ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።

47. ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግናከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ