1. ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት

2. የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ

3. ወይኒ ምስ ተወድኤኣደ የሱስወይኒ እምበር የብሎምንበለቶ

4. የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲምሳኺኸ እንታይ አሎኒጊዜይ ገና ኣይበጽሔንበላ

5. ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩበለቶም

6. ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ።

7. የሱስ፥ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎበሎምኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ

8. ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉበሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ

9. እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠንእቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ

10. ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮበሎ

11. የሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ።

12. ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ

13. ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረየሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ

14. ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ

15. ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦምንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ

16. ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎበሎም

17. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣቅንኣት ቤትካ በልዓኒጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ

18. ሽዑ ኣይሁድእዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ

19. የሱስ ድማ፥ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም

20. እቶም ኣይሁድ ከኣእዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸትንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ

21. ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ

22. ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎ ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ አመኑ

23. ነቲ፡ የሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩብዙሓት ሰባት ብስሙ አመኑ

24-25. የሱስ ግናኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን