1. ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት።
2. የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ።
3. ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፥ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ።
4. የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ።
5. ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ፡ በለቶም።
6. ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ።
7. የሱስ፥ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ።
8. ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።
9. እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥
10. ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ።
11. የሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ።
12. ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ።
13. ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ።
14. ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።
15. ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ።
16. ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።
17. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።
18. ሽዑ ኣይሁድ፥ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ።
19. የሱስ ድማ፥ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
20. እቶም ኣይሁድ ከኣ፥ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ።
21. ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ።
22. ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎ ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ አመኑ።
23. ነቲ፡ የሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ አመኑ።
24-25. የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...