Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

waiting on god


ኢሳይያስ 40:31 | 13 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መዝሙር 27:13-14 | 7 Helpful votes

አየ፣ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርአዮ እንተ ዘይአምንሲ … ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 6 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:25 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:7-8 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዐገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 5 Helpful votes

ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:18 | 4 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 5:3-4 | 4 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡

Translation | Context
መዝሙር 33:20-22 | 4 Helpful votes

ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ፣ ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ። ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቊብና ኢና እሞ፣ ልብና ብእኡ ይሕጐስ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።

Translation | Context
ያእቆብ 5:11 | 3 Helpful votes

እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።

Translation | Context
መዝሙር 130:5-6 | 3 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር እጽበ፣ ነፍሰይ ትጽበ አላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር አሎኹ። ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሐለውቲ፣ እወ፣ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ አላ።

Translation | Context
መዝሙር 27:14 | 3 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
መዝሙር 37:34 | 3 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፣ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ።

Translation | Context
ሚክያስ 7:7 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 62:5 | 2 Helpful votes

ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ።

Translation | Context
መዝሙር 40:1-17 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኽዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ። ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽአኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙ፣ ንስጉምተይ ኣጽንዖ። ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም። እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ። ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ተአምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ። ንመስዋእትን መባእን ባህጉ የብልካን፣ ኣእዛነይ ከፈትካለይ፣ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይትደልን ኢኻ። ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ። ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎን፣ እሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን። ጐይታየ፣ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልአኒ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ። ቊጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒ፣ ምርአይ ክሳዕ ዝስእን፣ በደለይ ኣርኪቡኒ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ፣ ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምንጋፈይ ስመር፣ ጐይታየ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈሩን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። እቶም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ። ንኣኻ ዚደልዩ ዅሎም ይተሐጐሱ፣ ብኣኻውን ባህ ይበሎም። ምድሓንካ ዜፍቅሩ ዘበሉ፣ ከየብኰሩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፣ እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣምላኸየ፣ ኣይትደንጒ።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:1-3 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ኽትዔይ ንሱ እንታይ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተተንቂቐ ኽርእስ፣ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል፣ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ። እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 64:4 | 2 Helpful votes

ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረአየቶን።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:11 | 2 Helpful votes

ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡

Translation | Context
ማቴዎስ 6:34 | 2 Helpful votes

ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context