Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

rebuilding


2ይ ቈረንቶስ 5:1 | 13 Helpful votes

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 9:10 | 8 Helpful votes

ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምንጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:5 | 7 Helpful votes

ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 4 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን

Translation | Context
ኤርምያስ 31:3-4 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ። ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሀንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ።

Translation | Context
ነህምያ 1:1-11 | 3 Helpful votes

ዘረባ ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኮነ ድማ፡ ካብ መበል ዕስራ ዓመት ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበኩሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮርሳሌምን ሐተትክዎም። ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሐኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉንኣብኡ ኣብታ ሃገርብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለዉ፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከአ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒኮነ ድማእዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ። በልኩ ኸኣዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይዓብዩን መፍርህን ኣምላኽነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ድማ ንዚሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፡ እቲ ንኣኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘሎኹ፡ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤልን ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎትን ክትሰምዕ፡ በጃኻ ኣእዛንካ ጽን ይበላኣዒንትኻውን ይከፈታንሕና ኣዚና ንኣኻ ዐጊብና እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዛአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሐሎናዮን። በጃኻ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝአዘዝካዮ ዘክርእንተን በደልኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ። ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹምኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዚህልው፡ ካኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኺሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ። ንሳቶም ብዓብዩ ሓይልኻን ብጽንዕቲ ኢድካን እተበጀኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም። ዎ ጐይታይበጃኻ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ። - ኣነ ሽዑ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ነበርኩ

Translation | Context