Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።
Translation | Contextእንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም።
Translation | Contextናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ።
Translation | Contextከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደሌኩም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሃድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዓዩንሲ ክብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም አሎና።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።
Translation | Contextንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና።
Translation | Contextናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን፡ ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡ ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶ። ሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌካ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ሰብ ኣብ ልዕሌካ ኣይተንግስ።
Translation | Contextጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ።
Translation | Contextመዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ።
Translation | Context