Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

ocean


መዝሙር 136:6 | 21 Helpful votes

ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ

Translation | Context
ኤርምያስ 31:35 | 11 Helpful votes

እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ክኸውን ዘቘመ፡ እቲ ንባሕሪውን ማዕበሉ ኺሀምም ዘናወጸ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡

Translation | Context
እዮብ 12:7-10 | 5 Helpful votes

ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻነዕዋፍ ሰማይውንኪገልጻልካ እየን። ወይስ ንምድሪ ተዛረባክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ፧ ህያው ነፍሲ ዘበለንመንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡

Translation | Context
መዝሙር 8:8 | 5 Helpful votes

ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለ

Translation | Context
መዝሙር 89:9 | 4 Helpful votes

ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ

Translation | Context
ማቴዎስ 14:22-26 | 4 Helpful votes

ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎብግዲ በሎም። ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚኣ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። የሱስ ባሕረ ባሕሪ እናኸደብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። እቶም ደቀ መዛሙርቲባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረአይዎምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱፈሪሆም ከኣ ጨርሑ

Translation | Context
መዝሙር 148:1-14 | 4 Helpful votes

ሃሌሉያንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱአመስግንዎ። ኣትን ጸሓይን ወርሕንአመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲአመስግንዎ። ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትንአመስግንዎ። ንሱ ኣዚዙተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞምዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦምንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣ ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡ ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣ ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍንነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብንመሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣ ኣጕባዝን ጐራዙትንዓበይቲ ምስ ናኣሽቱስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢየመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ

Translation | Context
እዮብ 26:10 | 3 Helpful votes

ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለንማይ ብኽቢ ወሰኖ

Translation | Context