1. ድሕርዚ እዮብ መሊሱ በለ

2. ብሓቂ እቶም ኣውራታት ሰባት ንስኻትኩም ኢኹም፡ ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ።

3. ግናኸ ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ አሎኒ፡ ካባኻትኩም ኣይሰንፍን፡ ነዚ ኸምዚ ዘይፈልጥ መን እዩ፧

4. ኣነ ንጐረቤተይ መላገጺ ዝዀንኩ ሰብ እየ፡ ኣነ ናብ ኣምላኽ ተማህሊለስ ምላሽ ዝረኸብኩ፡ ጻድቕን ፍጹምን ሰብሲ መላገጺ ዀይኑ።

5. ኣብ ሓሳብ እቲ ደሓን ዘሎ ሰብ ንመከራ ምንዓቕ አሎ። እዚ ነቶም እግሮም ሰንከልከል ዚብል ድልዊ እዩ።

6. ድንኳን እቶም በዝበዝቲ ብደሓን ይነብር አሎ፡ እቶም ንኣምላኽ ዚተሃላለኽዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኢዶም ኣዕዚዙ ዚህቦም ብህድኣት ኣለው።

7. ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻነዕዋፍ ሰማይውንኪገልጻልካ እየን።

8. ወይስ ንምድሪ ተዛረባክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም።

9. በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ፧

10. ህያው ነፍሲ ዘበለንመንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡

11. ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧

12. ጥበብ ኣብ ሽማግሌታትምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።

13. ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ አሎ፡ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን።

14. እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዐጽዎዚኸፍቶ ድማ የልቦን

15. እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ

16. ሓይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡ እቲ ዚስሕትን ዜስሕትን ናቱ እዮም።

17. ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶምንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም።

18. ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡ ኣብ ሓቛቚኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም

19. ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶምንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም

20. ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም

21. ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎምንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም

22. ነቲ መዓሙቚ ካብ ጸልማት ይቐልዖንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ

23. ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን

24. ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎምመገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም

25. ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም።