1. እዮብ ንርእሱ ጻድቕ ኰይኑ ስለ እተራእዮ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሐደጉ

2. ሽዑ ኤሊሁወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ ኻብ ዓሌት ራምብዂራ ተናደደንእዮብ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ፡ ኣበርቲዑ ዀረየሉ

3. ነቶም ሰለስተ ፈተውቱውንንእዮብ ምላሽ ስለ ዘይረኸቡሉ እሞ ስለ ዝፈረድዎኰረየሎም

4. ብዕድመ ይዐብይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ከይተዛረቦ ጸንሔ

5. ኤሊሁ ግና፡ ሰለስቲኦም ብኣፎም ዚመልስዎ ስኢኖም ምስ ረአየብዂራ ተናደደ

6. ሽዑ ኤሊሁወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣነ ብዕድመ ንኡስ እየ፡ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፡ ስለዚ ኸኣ ሐፊረስ ክሳዕ ሕጂ ስቕ በልኩሓሳበይውን ኣይገለጽኩልኩምን

7. ኣነ፡ እተን መዓልትታት ይዛረባብዝሒ ዓመታት ከኣ ጥበብ የፍልጥኢለ ሐሰብኩ።

8. ግናኸ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስን እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእልን እዩ ምስትውዓል ዚህብ።

9. ዓበይቲ ኣይኰኑን ጠቢባን ዝዀኑ፡ ሽማግሌታትውን ኣይኰኑን ንቕኑዕ ዜስተውዕሉ

10. ስለዚ ድማ ኣነውን ሓሳበይ ክገልጽሲስምዑኒእብል አሎኹ።

11. እንሆ፡ እትዛረብዎ ኽሰምዕ ተጸቤኹቃላት ክትምርምሩ ኸሎኹምሲ፡ ንቑም ነገርኩም ጽን በልኩ

12. ኣጸቢቐ ኣቕለብኩልኩም እሞ፡ እንሆ፡ ንእዮብ ዘረድኦ ንዘረባኡ ኸኣ ምላሽ ዝሀበሉ ካባኻትኩም ሓደ እኳ የልቦን።

13. ንስኻትኩም፡ ጥበብ ረኺብናኣምላኽ እዩ ዚስዕሮሰብ ኣይኰነን፡ ኣይትበሉ

14. ንኣይስ ገለ እኳ ኣይተዛረበንንብዘረባኹም ከኣ ኣይክመልሰሉን እየ።

15. ሰምቢዶም፡ ድሕርዚ ዘረባ ስኢኖምምላሽ ኣይሀቡን።

16. ገለ እኳ ኸይመለሱን ከይተዛረቡንደው ኢሎም እዮም እሞ፡ ኣነ ኽጽበ ድየ፧

17. ኣነውን ብታራይ ክመልስ፡ ኣነ ድማ ሓሳበይ ክገልጽ እየ።

18. ቃላት መሊኡኒ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ይድርኸኒ አሎ።

19. እንሆ፡ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ ብጎዕሽ ወይኒ ኪቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።

20. ክዛረብ እሞ ከስተንፍስከናፍረይ ከፊተስ ክመልስ እየ።

21-22. ንምቅብጣር እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን፡ ንሓደ እኳ ብምቅብጣር ኣይዛረብን እየ። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ፡ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ።