Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

doorkeepers


መዝሙር 84:10 | 27 Helpful votes

ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:1-42 | 4 Helpful votes

እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱብኻልእ ወገን ዚሐኵርንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉእተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረንነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየንየሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎምንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕንኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋእቲ ብዓል ዓስቢ ግናጓሳ ዘይኰነስእተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድምግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉንሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋመሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒመሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነሽዑ ኻባታቶም ብዙሓትጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ አሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እተሰምዕዎበሉካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧ በሉኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነክረምቲ ኸኣ ነበረየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለናንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካኣግሂድካ ንገረናበልዎየሱስ መለሰሎምነጊረኩም ኣይኣመንኩምን እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ። ንስኻትኩም ግናከምቲ ዝበልኩኹምካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩምኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦንእቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዐቢ እዩካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። ኣነን ኣቦን ሓደ ኢናኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉየሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹምስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎምኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበርስለቲ ጽቡቕ ግብርታት ካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካኢሎም መለሱሉየሱስ መለሰሎምኣብ ሕግኹምኣነኣማልኽቲ ኢኹምበልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ - ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧ ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩኣይትእመኑኒእንተ ገበርኩ ግናኣቦ ኣባይ ምህላዉኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒነቲ ግብረይ እመንዎመሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደኣብኣውን ተቐመጠብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦምዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነበሉኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ አመኑ

Translation | Context
2ይ ነገስት 25:18 | 4 Helpful votes

እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሊቀ ኻህናት ሰራያን ንጸፋንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ደገን ወሰዶም

Translation | Context