Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

damascus


ኢሳይያስ 17:1-14 | 16 Helpful votes

ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍዖና ዃና ኽትከውን እየ። ከተማታት ኣሮኤር ተሐዲጉ፡ ብዘይ ፍርሃት ዚነብራሉ፡ መውፈር መጓሴታት ኪኸውን እዩ። እምባ ኻብ ኤፍሬምመንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆትርፊ ሶርያውን ኪጠፍእ እዩ። ከም ክብሪ ደቂ እስራኤል ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪውሕድህጥራን ስጋኡውን ኪዐብር እዩ። ከምቲ ዓጻዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ ዚጭምርሮብቕልጽሙ ኸኣ ነቲ ወረን ዚዐጽዶ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ለሰ ረፋይም ንወረን ዚቕርምዎ ድማ ኪኸውን እዩ። ግናኸ ከምቲ ኣውልዕ ምስ ተነዝነዘ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕላይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይስ ሰለስተ ፍረ፡ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከኣ ኣርባዕተ ወይስ ሓሙሽተ ኸም ዚተርፍ፡ ኣብኡ ሒደት ቀሪም ኪተርፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኪብል፡ ኣዒንቱ ኸኣ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪርእያ እየን። ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢ ግልጽ ኣይኪብልን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣስታርቴታት ወይስ ናብ ሓወልቲ ጸሓይ ኣይኪጥምትን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽኑዓት ከተማታቱ፡ ከምቲ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እተሐድገ ቦታታት፡ ዱርን ርእሲ ኣኽራንን ኪዀና እየን፡ ኪባድማ ድማ እየን። ንኣምላኽ ምድሓንኪ ስለ ዝረሳዕኪንኸውሒ ሓይልኺውን ስለ ዘይዘከርኪ፡ ስለዚ ባህ ዜብል ኣትክልቲ ትተኽሊጋሻ ዝዀነ ሓረግ ወይኒውን ተፍልሲ ኣሎኺ። በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ ትሐጽርዮ፡ ኣንጊህኪ ኸኣ ንዘርእኺ ተዐንብብዮ፡ ግናኸ ቀውዒ ብመዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን ይመልቚኣየ፡ ህማም ብዙሕ ህዝብታት፡ ከም ህማም ባሕሪ ይሀምም አሎ፡ ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው። ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው፡ ግናኸ ንሱ ይገንሖምኣርሒቖም ከኣ ይሀድሙ። ከም ብቚቡቚ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ይብተኑ። ኣጋ ምሸት እንሆ፡ ስምባድ ይመጽእ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ኸኣ የለውን። ግደ እቶም ዝማረኹናብጽሒት እቶም ዝዘመቱና እዚ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 17:1 | 13 Helpful votes

ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍዖና ዃና ኽትከውን እየ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 8:6 | 6 Helpful votes

ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቅ ሓለውቲ ኣቐመጠሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉእግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።

Translation | Context
ኣሞጽ 1:3 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዳ ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደማስቆ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 9:1-9 | 4 Helpful votes

ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። ናብ ምድሪውን ወደቐሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ። ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻበለጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካበሎ። ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄንጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ አሎኻ፧ በሎጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩደንጽይዎም ደው በሉ። ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረአየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎከይረአየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:15 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣኪድብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስኣብኣ ምስ መጻእካ ድማንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:4 | 4 Helpful votes

ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽኢልካ ስመዩበለኒ

Translation | Context