Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

conscience


ኢሳይያስ 30:21 | 16 Helpful votes

ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩምኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።

Translation | Context
ሮሜ 2:15 | 13 Helpful votes

እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም።

Translation | Context
እብራውያን 10:22 | 6 Helpful votes

ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 1:5 | 5 Helpful votes

እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 5 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 14:1-23 | 4 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩእቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርናንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትናንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትናናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮመንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎእቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔይዂነን

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:27 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 1:19 | 3 Helpful votes

ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቍበካ አሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:16 | 3 Helpful votes

ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1-2 | 3 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶምንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡

Translation | Context
ቲቶስ 1:15 | 3 Helpful votes

ነቶም ንጹሃን ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ሮሜ 13:5 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነንክትግዝእዎም ዚግብኣኩም

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1-2 | 2 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

Translation | Context
እብራውያን 13:18 | 2 Helpful votes

ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌናሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ አሎና እሞ፡ ጸልዩልና

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 23:1 | 2 Helpful votes

ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ዋዕላ ጠሚቱ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ብሰናይ ሕሊና እየ እተመላለስኩበሎም

Translation | Context
እብራውያን 9:14 | 2 Helpful votes

ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ

Translation | Context