Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

cliques


1ይ ቈረንቶስ 1:10 | 33 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩምእምዕደኩም አሎኹ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-13 | 14 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነንብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 23:1-39 | 8 Helpful votes

ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም አለዉ። ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ። ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮምንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን። ኵሉ ግብሮምሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩክታባውቶም ይግፍሑዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ።ዕዳጋ ኺሳለምዎምብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ። ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስካትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንመንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትአትውዋን፡ ነቶም ኪአትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪአትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ውይለኹም። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንቤት መበለታት ትበልዑንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ አሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኩም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲወይለኹም። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትንኣየናይ ይዐቢቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል አሎ። እቲ ብሰማይ ዚምሕልዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲምሕረትእምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምግሕዳግ ይግባእ። ኣቱም ቃርማ እተጽርዩገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹምከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረአይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጻን ምሉእ እዩ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንንመቓብር ነብያት ትሰርሑመቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹምብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ አሎኹም። እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ አሎኹም። ንስኻትኩም መስፈር ኣቦታትኩም መልኡኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ ስለዚ እንሆነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም። እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖብሓቂ እብለኩም አሎኹ። የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦምክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
መክብብ 5:1-20 | 5 Helpful votes

ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉእከይ ከም ዝገበሩ ኣይልጡን እዮም እሞ፡ ካብ ናይ ዓያሱ መስዋእቲ ሕሩድሲ ኽትሰምዕ ምቕራብ ደኣ ይሐይሽ። ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን። ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉንምፍጻሙ ኣይትደንጉብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስዘይምምብጻዕ ይሐይሽ። ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን አሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውንጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ። ካብቲ ልዑልሲ ልዕል ዝበለ ዝጥምት አሎ፡ ካብኣቶም ልዕል ዝበሉ ኸኣ አለው እሞ፡ ድኻ ኺጥቃዕ ኣብ ሀገር ከአ ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ፡ ኣይትገረም። ግናኸ ጥቕሚ መሬት ንዅሉ እዩ፡ ንጉስ እኳ ብሕርሻ ይጥቀምብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብንሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ጥሪት እንተ በዝሔበላዕቱ ይበዝሑንመጥረይኡ ደኣ፡ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮኑስ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡ እቲ ዓያዩ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔጥዑም ድቃስ ይድቅስንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን። ዜሕዝን መግደራ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤኽዎስ፡ እቲ ንጉድኣት መጥረይኡ እተደለበ ሃብቲ እዩ። እዚ ሃብቲ እዚ ብድንገት ይጠፍእወዲ እንተ ወለደ ኸኣ፡ እቲ ወዱ ጥራይ ኢዱ ይተርፍ። ከምቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቱ ዝወጸጥራዩ ኸም ዚመጽእ፡ ከምኡ መሊሱ ይኸይድ፡ ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን። ከምቲ ዝመጾ እዩ ዚኸይድ እሞ፡ እዚውን ዜሕዝን መግደራ እዩ፡ ንንፋስ ዝጸዐሮ ደኣ እንታይ ኪረብሖ እዩ፡ ኩለን መዓልትታቱ ኣብ ጸልማት ይበልዕብዙሕ መከራን ሕማምን ኩራን ከአ አለዎ። እንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:3 | 4 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:1-39 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞንሕጊብስጋ ስለ ዝደኸመኪገብሮ ዘይኰነሉስኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡመንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነንክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ። ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ። እምብኣርሲ ኣሕዋተየከም ስጋ እንተ ነበርኩምክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናንንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክርውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበርብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞንንፈልጥ አሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነንንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትናማለት ምድሓን ስጋናእናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር አሎና። ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን አሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግናብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣናኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውንንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም። እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመናእቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕእቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎናከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርናዚብል ጽሑፍ ዘሎጭንቀትዶጸበባዶስደትዶጥሜትዶዕርቃንዶፍርሂዶ ወይስ ሰይፊሞት ኰነ ወይ ህይወትመላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታትልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና

Translation | Context