Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

birds


ማቴዎስ 6:25-34 | 11 Helpful votes

ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹንካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕእንታይ ንሰቲእንታይ ንኽደንኢልኹም ኣይትጨነቑነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩምጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ

Translation | Context
መዝሙር 104:12 | 9 Helpful votes

ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጥቓኤን ይነብራ፣ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:26 | 9 Helpful votes

ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 4 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
መዝሙር 50:11 | 3 Helpful votes

ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ኻብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:20 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:29 | 3 Helpful votes

ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናንሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:16 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመንገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:21 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ

Translation | Context
ሉቃስ 12:24 | 2 Helpful votes

ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:8 | 2 Helpful votes

ካብ ቤቱ ወጺኡ ዚዅብልል ሰብቤታ ሐዲጋ ኸም እትዅብልል ዑፍ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 147:9 | 2 Helpful votes

ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣

Translation | Context
ማቴዎስ 3:16 | 2 Helpful votes

የሱስ ምስ ተጠምቀብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸእንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተመንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ

Translation | Context
ማቴዎስ 13:32 | 2 Helpful votes

ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:13-20 | 2 Helpful votes

ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወንዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየንንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳንጻዕዳ ኸርሶበላዕ ልኻይ በብዓይነቱኲሉ ኳዂ በብዓይነቱሰገንን ጒጒትን ሮብራንተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓንቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራንራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱተምብሃረጆን መንካዕንኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ

Translation | Context
መዝሙር 84:1-4 | 2 Helpful votes

ጐይታ ሰራዊትማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን። ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን አላ፣ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ። ዑፍ እኳ ቤት ረኸበትለዃዅቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፣ መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊትንጉሰይን ኣምላኸይን። አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። [ሴላ።]

Translation | Context