1. ቦአዝ ድማ ናብ ደገ እታ ኸተማ ደይቡ ኣብኣ ኾፍ በለ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቦአዝ ብዛዕባኡ እተዛረበሉ ወራሲ ይሐልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ፡ ኣታ መን ኢኻ፧ ኣግልስ እሞ ኣብዚ ተቐመጥ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ኣግሊሱ ተቐመጠ።
2. ቦአዝ ድማ ካብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ተቐመጡ።
3. ሽዑ ነቲ ወራሲ፡ እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ኽፍሊ ምድሪ ኤሊሜሌክ ሓውና፡ ክትሸጦ ደልያ።
4. ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለውን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጐ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩ። ብጀካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ኸኣ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ዄንካ ውረስ፡ ዘይትወርስ እንተ ዃንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ክወርስ እየ በለ።
5. ቦኣዝ ድማ፡ በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ፡ ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተቕውም፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት፡ ሰበይቲ እቲ ምዉት ከኣ ክትዕድጋ ኢኻ በለ።
6. እቲ ወራሲ ድማ፡ ርስተይ ከየባላሹ ኽወርሳ ኣይክእልን። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለ።
7. ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውራስን ኣብ ለውጥን፡ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።
8. እቲ ወራሲ ኸኣ ንቦአዝ፡ ንስኻ ዐድጎ በሎ። ሳእኑ ድማ ኣውጽኤ።
9. ቦአዝ ከኣ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፡ ናይ ኤሌሜሌክ ዝነበረ ዅሉ ናይ ኪልዮንን ናይ ማሕሎንን ዝነበረ ድማ ዅሉ ካብ ኢድ ናእሚ ኸም ዝዐድግክዎ፡ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።
10. ድማ ስም እቲ ምዉት ካብ ማእከል ኣሕዋቱን ካብ ደገ ቦታኡን ከይጠፍእ፡ ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ፡ ንሩት፡ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፡ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝዐደግክዋ፡ ሎሚ ምስክር ኢኹም በሎም።
11. እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኹሎም ህዝብን እቶም ዓበይትን ከኣ፡ ምስክር ኢና፡ ነዛ ናብ ቤትካ እትአቱ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ከምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ፡ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸኣ ሰልጥን፡ ኣብ ቤት-ልሄምውን ስሙይ ኩን።
12. እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መርዓት እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡ እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለድትሉ ትኹን በሉ።
13. ሽዑ ቦአዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣ ኸኣ አተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ጥንሲ ሀባ። ወዲውን ወለደት።
14. እተን ኣንስቲ ኸኣ ንናእሚ፡ ሎሚ ወራሲ ዘይከልአኪ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ስሙ ኣብ እስራኤል ይሰመ።
15. እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪኾነኪ እዩ በላኣ።
16. ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶ፡ መጕዚቱውን ኮነት።
17. እተን ጎረባብታ ኸኣ፡ ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ፡ ኢለን ስም ኣውጽኣሉ ስሙ ኸኣ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት እዩ።
18. ትውልዲ ፋሬስ ከኣ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ።
19. ኤስሮም ድማ ንራም ወለደ፡ ራም ከኣ ንኣሚናዳብ ወለደ።
20. ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከኣ ንሰልሞን ወለደ።
21. ሰልሞን ድማ ንቦአዝ ውለደ፡ ቦኦዝ ከኣ ንእዮቤድ ወለደ።
22. እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደ፡ እሴይ ከኣ ንዳዊት ወለደ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...