1. ቦአዝ ድማ ናብ ደገ እታ ኸተማ ደይቡ ኣብኣ ኾፍ በለ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቦአዝ ብዛዕባኡ እተዛረበሉ ወራሲ ይሐልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ፡ ኣታ መን ኢኻ፧ ኣግልስ እሞ ኣብዚ ተቐመጥበሎ። ንሱ ኸኣ ኣግሊሱ ተቐመጠ።

2. ቦአዝ ድማ ካብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብዚ ተቐመጡበሎም። ንሳቶም ከኣ ተቐመጡ።

3. ሽዑ ነቲ ወራሲ፡ እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ኽፍሊ ምድሪ ኤሊሜሌክ ሓውናክትሸጦ ደልያ።

4. ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለውን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጐ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩብጀካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ኸኣ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ዄንካ ውረስዘይትወርስ እንተ ዃንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ክወርስ እየ በለ

5. ቦኣዝ ድማ፡ በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተቕውም፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊትሰበይቲ እቲ ምዉት ከኣ ክትዕድጋ ኢኻ በለ

6. እቲ ወራሲ ድማ፡ ርስተይ ከየባላሹ ኽወርሳ ኣይክእልን። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለ

7. ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውራስን ኣብ ለውጥን፡ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽጸንዕሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።

8. እቲ ወራሲ ኸኣ ንቦአዝ፡ ንስኻ ዐድጎ በሎሳእኑ ድማ ኣውጽኤ

9. ቦአዝ ከኣ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፡ ናይ ኤሌሜሌክ ዝነበረ ዅሉ ናይ ኪልዮንን ናይ ማሕሎንን ዝነበረ ድማ ዅሉ ካብ ኢድ ናእሚ ኸም ዝዐድግክዎሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።

10. ድማ ስም እቲ ምዉት ካብ ማእከል ኣሕዋቱን ካብ ደገ ቦታኡን ከይጠፍእስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ፡ ንሩት፡ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎንሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝዐደግክዋሎሚ ምስክር ኢኹም በሎም።

11. እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኹሎም ህዝብን እቶም ዓበይትን ከኣ፡ ምስክር ኢና፡ ነዛ ናብ ቤትካ እትአቱ ሰበይቲእግዚኣብሄር፡ ከምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ፡ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸኣ ሰልጥን፡ ኣብ ቤት-ልሄምውን ስሙይ ኩን።

12. እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መርዓት እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡ እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለድትሉ ትኹን በሉ።

13. ሽዑ ቦአዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣ ኸኣ አተወእግዚኣብሄር ድማ ጥንሲ ሀባወዲውን ወለደት

14. እተን ኣንስቲ ኸኣ ንናእሚሎሚ ወራሲ ዘይከልአኪ እግዚኣብሄር ይባረኽስሙ ኣብ እስራኤል ይሰመ

15. እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪኾነኪ እዩ በላኣ።

16. ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶመጕዚቱውን ኮነት።

17. እተን ጎረባብታ ኸኣ፡ ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላኢለን ስም ኣውጽኣሉ ስሙ ኸኣ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት እዩ።

18. ትውልዲ ፋሬስ ከኣ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ

19. ኤስሮም ድማ ንራም ወለደራም ከኣ ንኣሚናዳብ ወለደ።

20. ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከኣ ንሰልሞን ወለደ።

21. ሰልሞን ድማ ንቦአዝ ውለደቦኦዝ ከኣ ንእዮቤድ ወለደ።

22. እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደእሴይ ከኣ ንዳዊት ወለደ።

Chap 3